2016-11-08 15:56:00

ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ንቀጻሊ ዘተ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ


ኣብ ሽወደን ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ተሓድሶ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዓቢይ ትርጉም ዝህብን ነቲ ዘተ ዘተባብዕን ብዝተሓደሰ መንፈስ እውን ክቕጽል ድርዀት ከምዝኾነ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተሰመረሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣመልኪተን።

ኣብቲ ዕለት 7 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ቫልደዝ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ክርስትና ታሪኽ መምህር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ መጋቤ ፕሮፈሰር ሎዛር ቮገል ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሱታፌ ኣብ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ተሓድሶ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን ቀጻልነቱ ዝውሕስ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ፥ እቶም ምሁራት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ጨናፍር ናይ ስነ ምርምር መጽናዕትታትን ናይ ሓባር ድልያ ናይቲ ሉተራናዊ ተሓድሶ መንፈሳውነት ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝመርሑ ኣብ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ ስነ መሰረት መምህር የኔታ ፕሮፈሰር ፒኖ ሎሪዚዮ እቲ ኣብ 1517 ዓ.ም. ሉተር ዘበገሶ ሕዳሴ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምግምማዕ ዘንቀለ ብምዃኑ እቲ ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ብጋሴ ተሓድሶ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን በዓል ተዘክሮ ናይ ምንጻሕ ሸቶ ዝነበሮ እዩ፡ ስለዚህ ዝሓለፈ ታሪኽን ተዘክሮታትንና እነንጽሓሉ በዓለ እምበር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥሮ ምክፍፋል ዘምጽኤ ድላይ ኣይኰነን እነብዕሎ ስለዚህ እንድስተሉ ዕለት ኣይኰነን። ናይ ኤውሮጳ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዘይኰነስ ክርስትናዊ ጸገም እዩ። ካብዚ ተበጊስና እምነት ክርስትና ንኤውሮጳዊ ክፍለ ዓለም መንፈሳውነት ዳግም ዘጎናጽፎ ከመይ ቢሉ እዩ ዝብል ሕቶ ከነቕርብ ግድን ይኸውን። ምእንቲ’ዚ እቲ ፍልላያትና ኣብ ይጽናሓለይ ቀኒፍና በቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎና ብናይ ሓባር ናይ እምነት ብርሃን ተመሪሕና ኩነታት ምምርማር ክሕሸና እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሽወደን ዘርአይዎ ኣመት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ምንቅስቓስ ዕጹው ዘይኰነስ መቐጸልታ ናይቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተዘክሮ ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነንጽሕ ዝበልዎን ከምኡ እውን ምስቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኤርፉርት ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብሓባር ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ጽድቂ ዝሃብዎ ውሳኔን ከምኡ እውን ካብ ውጥረት ናብ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ናይ ሓባር ሰነድ ርክብ ዘለዎ ቀጻልነቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝረጋግጽ እዩ። እቲ ፍልይ ዘብሎ ማለት ቅዱስ ኣቦና እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ንሓድነት ዝብል ሕቶ ኣብ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቲዮሎጊያ ብምስግጋር ብዓብይን ብጥልቅን ክሱጉም ይድርኹ ኣለዉ ዝበሉ ፕሮፈሰር ሎሪዚዮ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ናብ ሽወደን ክኸውዱ ኣብ ሉንድ ኣብ ሉተራንዊት ካቴድራል ኣትዮም ኣብቲ ተዘክሮ ሉተራናዊ ሕዳሴ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ምስታፎም ንኢትሃብራዊነት ይምሰል ዘይኰነስ ዓቢይ ናይ ሕውነትን መንፈስ ብጭቡጥ ንምቅላሕን ንምንባርን እዩ። ብፍላይ ድማ እታ ናይ ሓባር ጸሎት ዘዕረጉላ ሉትራናዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ ሉተራናዊትን ሊቀ ጳጳስ እትምራሕ ከንሳ ነታ ካቴድራል ምምራጾም ናይ ኣጋጣሚ ኣይኰነን። ስለዚህ ብዙሓት ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ዘስተውዓልዎ ምልክት ኣይመስልን። ብወገነይ ይብሉ ዓቢይ መልእኽቲ ሓዘል እዩ ክንትንትኖ ዝግብኣናን ከነጽንዖን ዝግብኣና ፍሉይ መልእኽቲ ዘለዎ ተግባር እዩ ኢሎም።

ፕሮፈሰር ሎሪዚዮ ይብሉ እቲ ንሶም ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዝመርሕዎ ኵለን ሃይማኖታት ሓቆፍ ናይ ሓባር ናይ ስነ መጽናዕቲ ምርምር ኣብ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊ ተሓድሶ ዝካየድ ኣብ ሉተራናዊ ናይ ሕዳሴ መንፍሳውነት ዘማእከለ ታሪኻውን ቲዮሎጊያውን መልክዑ ዝምልከትን ሕዳሴ ቀጻልነት ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያን ወትሩ እዋናውነታ የነጽር ብዝብል ሓሳብ ኣምሪሑ ዝዝትይ ውዓደ መጽናዕቲ ኣብ ውርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ከምዝካይድን ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝቐርቡ ኣስተምህሮታት ዝጥርንፍ ሰነድ እውን ከምዝወጽእ ኣቐዲሞም ከምዝሓበሩ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

መጋቤ ፕሮፈሰር ቮገል ብወገኖም ሓደ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ፕሮፈሰር ኣብ ናይ ቫልደስ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጥበብ ክምህር ምስ ተዓደሙ ተማሃሮ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ቫልዳውያን ብርቱዕ ተገዳስነት ከርእዩ ከምዘስተውዓሉ እውን ሓቢሮም ስለዚህ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ርክብ ካብቲ ናይቲ ብዓበይቲ ናይ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ብተወሳኺ ብተራ ኣባላት ናይ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝፍጸን ርክብ ዝማላእ ምስ ዝኸውን እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ እዚዩ ይበራታዕን ይቀላጠፍን፡ እቲ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ሕዳሴ ሉተራናዊ ቤተ ክርስቲያን እቲ ሕዳሴ ብብርሃን ቃል ኣምላኽ  ብሓባር ንምንባብ ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.