2016-11-08 15:54:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰሙናት ኣብ ቻያና እትርከብ ወግዓዊ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሃድነት ዘይብላ ብሔራዊ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ንገለ ገለ ካህናታ ማዕርገ ጵጵስና ሂባ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ዜና ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ እቲ ማዕርገ ጵጵስና መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ዝተፈጸመ ከምዘይኰነን ውክልና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘይብሉን ካብ ቅዱስቲ መንበር ዝተሓላለፈ ፍቓድ ዘይተውሃበሉ እውን ከምዝዀነን ብዛዕባ እቲ ተፈጹሙ ዝበሃል ዘሎ ማዕርገ ጵጵስና ፍቓድ ካብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ዘይተሓተተሉ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 7 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም መግለጺ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

እቲ ብዘይ ፍቓድ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቻይና እትርከብ ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሃድነት ዘይብላ ብሔራዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ዝሃበቶ ማዕርገ ጵጵስና ተፈጺሙ ዝብል ዝወሃቡ ዘለዉ ዜናታት ሓቂ ይኹን ኣይኹን ዘይፍለጥ ኸውን እንከሎ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ዜና ዘይ ሓቂ ክኸውን ተስፋ ከምእተገብርን ኰይኑ ግና ብዘይ ውክልና ር.ሊ.ጳ. ዝወሃብ ማዕርገ ጵጵስና ዘይሕጋዊ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቡርከ ከምዝገለጹ ፒሪ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.