2016-11-05 16:16:00

ኢጣሊያ፥ ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15


እቶም ናይ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ተባሂሎም ዝግለጹ ኣብ ኣዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣብ ኢጣሊያ ጀኖቫ ዕለት 21 ሕዳር 1854 ዓ.ም. ዝተወልዱ ዕለት 3 መስከረም 1914 ዓ.ም. መበል 258 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓርዩ ዕለት 6 መስከረም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበሮም ብወግዒ ዝጀመሩ በነዲክቶስ መበል 15 ዝብል መጸውዒ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ዝመረጹን መንፈሳዊ መርሆኦም In te, Domine, speravi; non confundar in aeternum - ኦ ጐይታይ ኣባኽ እኣምን ጠሪሸ ከይደናገር ደግፈኒ ዝብል ዝገበሩ ጃኮሞ ፓውሎ ጆቫኒ ባቲስታ ደላ ኬየዛ ዕለት 22 ጥሪ 1922 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ዛዕባ ዝገበረ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዕለት 3 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቦሎኛ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ ኣስተምህሮ ዝተኸፍተ ዓውደ ጉባኤ ይካየድ ምህውላዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ተንቶሪ ሓቢሮም፡

እቲ ሰበኻ ቦሎኛን ዮሓንስ መበል 23 ናይ ስነ ሃይማኖት መጽናዕቲ ተቛም ዘዳለዎ ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ቤተ ክርስቲያንን ስነ ታሪኽ ዓለምን ሊቃውንትን ምሁራን ዘሳተፈ ዓውደ መጽናዕቲ፡ በነዲክቶስ መበል 15 ካልኣይ ውግእ ዓለም ርእሰ ቅትለት ኤውሮጳ እንክብሉ ብምግላጽ እዚ ትርጉም ኣልቦ ሕዝቢ ዘጽንት ገበን ቢሎም ዝገለጽዎ ውግእ ከይብገስ ኩሉ ናብ ዘተ ከብል ፍሉዩ ናይ ስነ ምርኻብን ዘተን ሜላ ኣብዚ እውን’ዚ ዝንበር ዘሎ ዓይነት እዋናዊ ዝዀነ ዓይነት ርክብ ብነብያዊ መንፈስ ዘጀመሩ ምዃኖም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተምህሮ እንከመልክቱ ቀጺሎም እውን ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበርን ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ኣብ 1914 ዓ.ም. ክርስትና ህድኣትን ጸጥታን ኣብ መዋቕራት ምርግጋእ ዝወሕስ ጥበብ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓደ ሕዝቢ ብዘይ ስርዓት ስነ ሕይወት መንፈስ ሓደ ሕዝቢ ክኸውን ዘይከኣሎ እዩ ማለት ናይ ሕይወት ማሕበረሰብን ማሕበረሰብ ጽሕፍቶን ከይኰነ ይተርፍ እሞ እኽብካብ ብሕትው ሕይወት ወይ ድማ እኽብካብ ብሕትው ሃገራት ኩሉ እኩብ ኣብ ንበይንኣውነት ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፡ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ዝቕረብዎ ኣስተምህሮታት ዝቃላሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ትንቶሪ ኣስዒቦም ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማተዮ ዙፒ እውን ብወገኖም ቅድመ ብጋሴ ቀዳማይ ውግእ ዓለም በነዲክቶስ መበል 15 ሰታሪት ንመላእ ኣብ ውግእ ተዋሰእቲ ሃገራት መራሕቲ ብዝብል ኣርእስቲ ነሐሰ 1917 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኩነትን ከይዲ ታሪኽን ብዓይኒ እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ምጥማት ምስ ዝከኣል ናይ ታሪኽ ጌጋታት ካብ ምድግጋሙ ንድሕን ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም ዘይተዋሳኢ ወይ ድማ ልዕሊ ጋንታውነት ምዃን ዘይምርድዳእ ወይ ዘይርጉጽነት ንዘይምፍጣር ትም ዝብል ገለልተይና ምዃን ማለት ዘይኰነስ ቆራጽ ዘቃድው ጭቡጥ ሓሳብ ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ማለት እዩ። እዚ ድማ ትምህርቲ በነዲክቶስ መበል 15 የገዘንዝቦ። ነቲ ናይ ሓባር ቤትናን ሕዝብን ንሓደጋ ዘቃልዕ ጉዳይ ብዕምቆት ምልላዩን ብናይ ኩሉ ናይ ሓባር ጥቅሚ ብዘተኵር ዘተን ሓልዮትን ምፍታሕ ሰላም ነባሪ ዝገብር መገዲ እዩ ከምዝበኡ ኣመልኪቶም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.