2016-11-03 15:39:00

ብፁዕ ኣቡነ ፐርጎ፥ ቅዱስ ኣቦና መሰል ስደትን ግቡዕነት ተቐባልነትን እንገዳን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሽወደን ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 1 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 17 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣጠናቒቖም ኣብ ዝምለሱላ ኣይሮፕላን እንከለዉ ምስቶም ዘሰነይዎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልኡኻን ጋዜጠይናታት ኣብ ዛካየድዎ ቃለ ምልልስ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ዝምልከ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ምስዳድ መስል ክኸውን እንከሎ ዘመሓድሮ ሕግን ስርዓትን ድማ የድልዩ። ካብ መዓትን ሕሰምን ዝተመልኤ ኩነታት ንምምላጥ ዝመዛበልን ዝስደድን ክእንገድን ከነባብሮ ዘኽእሎ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ኣገዳስን ሓላነትን እውን እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳኣት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታ ሓልዮ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ፐረጎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኤውሮጳ ብስደተይናታትን ናይ ብዙሓት ባህልታን ምርኻብ ዝወተወሃደት ኅብረዊት ክፍለ ዓለም እያ። ስለዚህ ስደተይና ንምንጻግን ንዘይምቕባልን ዶባት ምዕጻው ፍርሒ ዘቕርቦ ምርጫን ነቲ ክዋነ ኤውሮጳውነት ዝጻረር እዩ እንክብሉ እውን ቅዱስ ኣቦና ከምዝገለጹ ዘኪሮም ቅዱስ ኣቦና ስደት መሰል እዩ ምእንጋድን ምቕባልን ድማ ግቡእነት ምዃኑ የነጽሩ። ምእንቲዚ ኣብ መንጐ ስደትን ምዝብልናን ዘሎ ፍልልይ የረድኡ፡ ካብ ሓደጋን ሕሰምን ስእነት ስራሕን ድኽነትን ንምልቓቕ ምስዳድ መሰል እዩ። ካብ ሽግር ከምልጥ ዘይደሊ መን እዩ? ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ምስዳድ መሰልን ምእንጋድ ድማ ግቡእነት ምዃኡ ይትንትኑ።

ምስትውዓል ብልጫ እዩ ብዛዕባ ብልጫ ምስትውዓል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ሃማኖትን ከምኡ እውን ከም ኣብነት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ እውን ብልጫ ምስትውዓል ብጭቡጥ ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝኽወን ማለት ምዃኑ የብርህዎ። እዚ ማለት ድማ ክቡር ዋጋ ብልጫ ክወሃቦ ወይ ድማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእሎ መጋበሪያታት መምዘንን ገምጋምን የድልዮ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ንፖሊቲካ ኣካላት ዓቢይ ትምህርት እዩ። ሰለዚህ ናይ ምስትውዓል ትርጉም ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጡን ኩሉ ሰብ እውን ክህልዎ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኤውሮጳ ንእትህቦ መልሲ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ዝሕብር እዩ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ሓሳብ። ንዓኡ ከምሓድሮ ብቕዓት ዘለዎ መምርሕን እዚ ድማ ዶባትካ ብምዕጻው ንዝውሃብ መልሲ ዘይኰነስ ብትኽክል ሸለልተይናነትን ዘይተገዳስነትን ዘወግድ ነቲ ካብ ውግእን ጥሜትን ዝኣመሰሉ ንኤውሮጳ እውን ኣጋጥሚምዋ እንተዝኸውን ምስ ዝብል ርእየት ብምግጣም ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ምፍቓር ዝብል ወርቃዊ መምርሒ መሠረት ዝገበረ ስርዓት ክትሕንጽጽ ይድሊ።

ምእንጋድ ክልተ መጋበርያታት ይሕትት ንሱ ኸኣ መእለይ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ እተእንግዶ ምስቲ ሒዝዎ ዝመጽእ ባህልን ተመክሮን ተላሊኻ ምስቲ ዝርከበሉ ሓድሽ ህልው ኩነትን ሕብረተሰብን ባህልን ኩሉ ዘላልይ መጋበሪያ ምቕራብ የድሊ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሽወደን ህብረ ባህልን ሕብረተሰብን የስተውዕሉን ውጽኢቱ ድማ የመልክቱ። እታ 10 ሚሊዮን ብዝሒ ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተናታትን ተአዛበልንት ምኽንያት 4 ሚእቲ ሺሕ ዝግመቱ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተእንግድ ኣላ። ኢጣሊያ 3 ሺሕ ጀርመን ሓሙሽተ ሺሕ ኣውስትሪያ ድማ ዓሰርተ ሽሕ እዚ ምስ ሽወደን ክነጻጸር እንከሎ ድምሩ ኣዚዩ ትሑት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ሽወደን ኣብ ምእንጋድ ዘርአየቶ ብቕዓት ኣብ እንገዳ ዝተሓጽረ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ እንገዳ ምሉእ ብዝገብሮ መደብ ኣሰንያ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓለቶ ድማ የዘኻኽሩ እቲ ናይ ሽወደን ግብረ እንገዳ ንኤውሮጳ ኣብነት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.