2016-11-03 15:56:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን


እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሽወደን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካይድዎ ርክብ ብፍላይ ድማ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ዕላማ ኣብ ህዳሴ ሉተራን ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት በዓል ምስታፍ ዝብል ምንባሩ ብሓቂ ነቲ ሉተራናውያንን ካቶሊካውያንን ሃረር ዝብልዎ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ምርግጋጽ ዝብል ዓቢይ ድልያን ጸሎትን ዝምስክር ምዃኑ ኢጣሊያዊ ናይ ሉተራናዊት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባል ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ጋዜጠይናን ፓውሎ ቶኚና ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ብሓቂ እቲ ኣብ ሉንድን ከምኡ ድማ ኣብ ማልሞን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብን ናይ ሓባር ጸሎትን ኮታ ኩሉ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ክሌኣዊ ርክባት ደስ ዘብልን እዩ።

ሊጡርጊያውን ናይ ሓባር ስራሕን ኩነት ዘጠቓለለ ኰይኑ ዝተሰምዑ ዘረባታትን ስብከታትን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ሉንድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ሊጡርጊያ ቅዱነቶም ክቡር ኣቡነ ዩናን ዘስምዕዎ ስብከታት ዕርቅን ምሕረትን ዘማእከለ እዩ ዝነበረ። ደሓር እውን ማልሞ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ዝተኻየደ ርክብ ዝቐረቡ ምስክርነታትን ናይ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሓባር ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘበራትዕ ኣብ መንጐ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ናይ ዓለም ለኻዊት ሉተራናዊ ፈደራላዊ ናይ ኣገልግሎት ማሕበር ዝተበጽሔ ስምምዕ ድላይ ውህደት ዝምስክር እዩ።

እቲ ኣብ መንጐ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያንን እታ ናይ ውሁዳን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሽወደን ዘሎ ርክብ ብቐረባ ከምእተዓዘቡክዎ ይብሉ፥ ኣብ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሽወደን መጋብያን ኰኑ ካህናት ምእመናን ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ዓቢይ ድላይ ዘለዎም ኣዮም። ምቅርራባት ከምዘሎን ብፍላይ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ክህሉ ዘለዎም ዓቢይ ድላይ ብጣዕሚ ነቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝካይደ ናይ ሓባር ዘተ ዘበራታዕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.