2016-10-18 16:25:00

ስልማት ራትዚንገር 2016 ዓ.ም.


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ ምርምራት ዓቢይ ኣብርክቶን ዓበይቲ ናይ መጽናዕቲ ምርምራት ንዘቕረቡን ነቲ ናይ ምርምር መጽናዕቶም ንንባብ ዘብቅዑ ምሁራትን ሊቃውንትን ብምሕራይ ዝወሃብ ስልማት ራትዚንገር ናይ ለምዘበን ናይ 2016 ዓ.ም. ስልማት ራትዚንገር የኔታ ኣባ ኢኖስ ቢፊን ከምኡ እውን ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ምእመን ዮኣኒስ ኩረምፕለስ ብቑዓት ተባሂሎም ከምእተሓርዩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ገሊጸን።

የኔታ ኣባ ቢፊ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ቲዮሎጊያን ሊጡርጊያን መምህርን በማኢት ዝቑጸሩ ጥበባውያን መጻሕፍት ዝደረሱን ናይ ራትዚንገር ናይ መጽናዕቲ ሰነዳት ጽሑፋትን ዝደረስዎ መጻሕፍትን ናይ ቲዮሎጊያ መምህር እንከለዉ ደሓር እውን ከም ጳጳስን ከም ካርዲናልን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ከምኡ እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በነዲክቶስ መበል 16ን ስብከታቶምን ድርሰታቶም ኣስትመሆሮታቶም ከከም እርእስቱ ብተኸታታሊ መጽሓፊ ብምስናድ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝግበር ናይ ስነ መጽናዕቲ ዕዮ ተሓባርን ከምዝዀኑ ዝንግረሎምን ብፍላይ ነቲ ስልማት ብቑዕ ዘበሎም ኣብ ናይ ማእከላይ ዘመን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን  ዘተኰረ ተኸታታሊ ንንባብ ዝበቅዕዎ ዘለዉ ክሳብ ሕጂ 20 ተኸታታሊ መጽሓፍ ንንባብ እንከብቅዑ ገና እውን ዝቕጽል ክኸውን እንከሎ እዚ ኣብ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ስነ ምርምርን ዝገብርዎ መጽናዕቲ ምዃኑ ቱፋኒ ሓቢረን፥ ከምኡ እውን ካልኣይ ተሰላሚ ኣብ ተሶሎንቄ መንበረ ጥበብ ኣሪስጦትል ናይ ቲዮሎጊያ ክፍሊ መጽናዕቲ መምህር ኣብ ሳሎኒቆ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ምእመን ዮኣኒስ ኩረምፕለስ ከምዝዀኑ ገሊጸን እቲ ናይ ስልማት ራትዚንገር ስነ ስርዓታ ዕለት 26 ህዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ከምዝካይድ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.