2016-10-15 17:11:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ


ቅዱስ ኣቦና ርሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  እቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ምኽንያት ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፍሰር ኾሴ ግራዚያን ዳ ሲልቫ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

እቲ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዘይልሙድ ምቅይያር፡ ኣብ ኣመጋግባን ሕርሻን ዘይልሙድ ምቅይያር የስዕብ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ዝዝከር ምዃኑ ቅድስነቶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ምቕይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየር እዚዩ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ነቲ ጥምየት ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣዚዩ ከቢድ ከምዝግበሮን እዚ ድማ ተፈጥሮ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጡር ዘንብሮ ብድሆን ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮ ዘንብሮ ብድሆ ንምግጣም (ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቕዲ 25 ረአ) ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ከምኡ እውን ኣባላት ሃገራት ናይዚ ውድብ ዝገብርኦ ጻዕሪ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ቅድም ቀዳድም እቲ ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ካበይ ዝነቅል እዩ ዝብል ሕቶ ምቕራብ፡ ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ሰብን ኣብ ክስተት ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ አየር ግዴኡ ከለልይን ኣሉታዊ ከይዱ ክእርምን እዚ ድማ ብስነ ምርምር ተደጊፉ ዝቐርብ ትንተና ብምስትውዓል ዝኽወን ኰይኑ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ዓቃቢ ተፈጥሮ ሓላፍነቱ ምልስ ቢሉ ብምሕሳብ ተፍጥሮ ናይ ምጥቃም ተግባሩ ከመይን ሰለምንታዩን ከስተውዕል ዝብል እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ፓሪስ ሰነድ ክኽበርን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ከምዝተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም። 

ድኽነት ንምውጋድን ንምዕሩይ ኣመጋግባን ምድግጋፍን ንምርግጋጽን ዘኽእልን ንኽተሎ ኣብ ልዕሊ ተፍጥሮን ፍጥረትን ሓደጋ ዘስዕብ ዘሎ እንኽተሎ ናይ ሕይውት ኣገባብ ንምቕያር ዝድግፍ ብቑዕ ፖለቲካዊ ርእየት ኣብ ግብሪ ምውዓል የድሊ ዝብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልኽቶም ኣብ ጉዳይ ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ከይዲ ሕርሻ ዘለዎ ጽልዋን ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ናይ ብምሊዮናት ዝቑጸሩ ሕዝብታት ከቢድ ጽላዋ ዘለዎ ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዘብርሁ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ፥ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ናይ ጽሑፍ ቃል ጥራሕ ኰይኑ ከይተርፍ ናብ ወሳኒ ተግባር ተቐይሩ ምትሕብባር ከም ውርዝውና ዘይኰነስ ንኤኮኖሚ ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣገባብን ሕውነት ከም ሓደ ትምኒት ዘይኰነስ መምዘኒ ከም ናይ ጥዑይ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ምሕደራ ኰይኑ ንኽስትውዓል ብዝብል ኣገባብ ተመሪሑ ተግባራዊ ክኸውን ከምእተላበዉ ገሊጾም።

ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ካብቲ ንቡር ከይዱ ዘዛብዕ መሰረታዊ ምኽንያት ክልለይ ኣለዎ። ዘይንቡር ዓይነት ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ኣብ ሰባት ሕይወት እውን ዘይልሙድ ምቅይያራት ዘስዕብ እዩ ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ብሓቂ ምኽንያት ንሓደገይና ሃንደባታዊ ለውጢ ከይኑ እዩ ዝርከብ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ምህልኽ ኣመክንዮን ዝመጸ ይምጻእ ጥራሕ ምህርቲ ዝብል ኅብረን ብዝሃን ሕይወታውያን ንሓደጋ ዘቃልዕ ኣብ ህርፋን ሃብቲ ዘተኰረ ከይዲ ኤኰኖምን ምህርቲ ክብ ንምባል ተሓቂኑ ኣብ ቤተ ሙከራ ዝግበር ስነ ምርምር ዝድገፍ እዩ። እዚ መገዲ’ዚ ግና ሳዕቤኑ ብዘየገድስ ኣብ ምኽዕባት ምርህቲ ዘተኰረ ክኸውን የብሉን። ከምዚ እንተዘይኰይኑ ኣብ ተፈጥሮን ፍጥረትን ዘስዕቦ ሽግር ከቢድን ንምፍታሑ ብዙሓ ዋጋን መስዋዕትን ዝሓትት እዩ ዝኸውን። ሰናይ ምርሕቲ ምስ ጥዕና ናይ ሕርሻ መሬት ዝተተሓሓዘ እዩ። ስለዚህ ናይ ሕርሻ መሬት ጥዕና ዘይግደስ ክብ ዝበለ ምህርቲ ንምርካብ ጥራሕ ዝሓስብ ኣካይዳ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕን ናይ ብዙሓት ሓረስቶት መሬት ናብ ዝምንዝዕ ናይ ፖለቲካ ሕርሻ ዝድርኽ ምዃኑ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓቂ እዩ። እዚ ኹሉ’ዚ ድማ ኣብ ምርባሕ ጥሪቲ ማል እውን ብዙሕ ጸገም እዩ ዘኸትል ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ምዝባዕ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ሓደ እቲ ሕዝብታት ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርግ እውን እዩ። እዚ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰፊሕ ዝረአይ ዘሎ ማሕበራዊ ክስተት እዩ። ስለዚህ ነቶም ዝስደዱን ዝመዛበሉን ብመንጽር መራኸቢ ብዙሃን እናርአኻ ከንፈርካ ብምንካስ ክረአይን ክጠፍእን ሓደ ዝዀነ ናይ ሓዘን ምልክት ብምርአይ ዝሕለፍ ዘይኰነስ ናይዚ ኩሉ ጸገም መንቀሊ እንታይ ምዃኑ ብምስትዓል ኩለ መዳያዊ ፍትሒ ክኸውን ምዕያይ እዩ። ምዕሩይ ተባጽሖ ሃብቲ ዓለምን ናይ ዕዳጋ ፖለቲካን ናይ መኽሰብ ፖለቲካ ዘይኰነስ ሰብ ዘማእከለ ፍትሓዊ ፖለቲካ ብምትግባር ምብኻን መግቢ ምውጋድን ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መግቢ ናይ ምርካብ መሰሉን ክብሩን ዝኽበረሉ ዓይነት ኣነባብራ ክውን ምትግባር የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሲቲ ኣተሓሒዞም፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ጠሪሹ ናይ ስነ ምርምርን ቤተ ሙከራን መጋበሪያ ክኸውን የብሉን ምስ በሉ ኩሎም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዓቢይ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላትን ኣብ ምህርትን ሕርሻን ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ሓላፍነት ዝተቐመጡ ምዕባለ ናይ ውሑዳትን ንውሑዳትን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንውሑዳት ንሓያላንን ዘይኰነስ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ምዃኑ ዝሓልይ ኵለ መዳያዊ ኣገባብ ኣብ ምርግጋጽ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.