2016-10-13 16:06:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሶሪያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ


ውግእ ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ፡ ነቲ ኣብ ዓመጽን ውግእን ተኣሊኹ ዘሎ ህዝቢ ሶሪያ ቅርበተይ አረጋግጽ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2016 ዓም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ሰላም ገሊጾም ሕጂ እውን እቲ ዘይሕለል ጻውዒት ሰላም ከመሓላልፍ እፈቱ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ሎሚ እውን ደጊሞም እቲ ኣብ ሶሪያ ዝካይድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ነቶም ናይቲ ውግእን ዓምጽን ተዋሳእቲ ኣካላት ብምሉእ ሓይለይ ሕጹጽ ጻውዒት አቕርብ። ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ ሰላማዊ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ሕጻናት ንሞትን መቁሰልትን ከይተቓልዑ ብሰላም ክሳብ ዝወጹ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ይረጋገጽ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ነቲ ኣብ ጽንኩር ሓደጋ ዝርከብ ሕዝቢ ምስቲ ኣብ ሶሪያ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፍረ ብምትሕብባር ዝከኣል ደገፍ የቕርብ ምህላዉ ጠቒሰን ኣብ ኣለፖ ዘሎ ህልው ኩነታት ንዅሉ በፍላይ ድማ ነተን ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት ናይ ሕሊና ሕቶ እዩ። ዕለት ብዕለት ሕዝቢ ይሃልቕን ይስደድን ይመዛበልን ከምዘሎ ኣመልኪተን ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምስ ናይ ቅዱስ ኣቦና ድምጺ ድምጹ ኣሕቢሩ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ስለ ድሕነት ሰላማዊ ሕዝቢ ንኽመሓላለፍን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ድሕነት ሕዝቢ ክቐውም ጻውዒት ከምዘቕረበ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.