2016-10-13 16:13:00

ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንሉተራናውያን መንፈሳውያን ነጋዶ


ዕለት 13 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ናብ ሮማ ዝኣተዉ ናይ ከባቢ ማእከላይ ጀርመን ግዝኣት ኣንሃልት ዝመጹ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን መጋብያንን ምእመናን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ናይ ኣንሃልት ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር ዥዋኪም ላይቢግ፥ ዛዕባ ኣንሃልትን ባህላውን ሃይማኖታውን መልክኣ ምድራውን ታሪኻ ኣማእኪሎም ብዘስምዕዎ ዘረባ ንቕዱስ ኣቦና ምስታ ሃገር ኣላልዮምን ኣስዒቦም ድማ ስለ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ምስጋናኦም ምስ ኣቕረቡ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ፍትዋት የዕሩኽ

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ኣሚተን ዝግብርኦ ጻዕሪ ኣማእኪልኩም መንፈሳዊ ንግደት ኣብ እትገብርሉ ኣዋን ምስኻኹም ካብታ ናይ ሉተር ከተማ ምስ ዝመጻእኩም ምእመናን ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ምርኻበይ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ ነቶም ኣብዚ መንፈሳዊ ንግደት ንዘሰንይኹም ብፁዓን ጳጳስት አመስግን።

ካቶሊካውያንን ሉተራናውያን ካብቲ ዘይምርድዳእ ናብ ሱታፌ ዘንቀለ ብሓባር ብዝገብርዎ ዘለዉ ጉዕዞ ንእግዚኣብሔር ነመስግን። እቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ቀሊል ኣይኰነን ሎሚ እውን ብዙሕ ፍልልያት እንተሎ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ብሓባር ንምብራኽ ዝግበር እቲ ተስፋ ዘሕድርለና ኣብ ጐደና ሕውነት ብሓባር ምጉዓዝና ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ዕድሎት እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብሎ ስለ እቲ ዝተቐበልናዮ ጥምቀት ብልጫ ኩላትና ዋህድ ማለት ነቲ እንኰ ሰብነት ክርስቶስ ኢና ነቕውም። እቶም ዝተፈላለዩ ክፍለ ኣካል ብሓቂ እኳ ደኣ ሓደ ኣካለ ሰብነት የቑሙ። ምእንቲ’ዚ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካል። ነፍሲ ወከፍና ንሓድ ሕዱ ዝጸዋወር ከም ብዙሕ ኣካላት ክፍሊ ሓደ ኣካል እዩ። … ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ ኵሉ እቲ ኣካል ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተኸበረ ኸኣ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐሱ…. (1ቆሮ. 12,12-26 ረአ) ክንየው እቲ ገና መልሲ ዘይተወሃበሉ ሎሚ እውን ዝፈላልዩና ሕቶታት ድሮ ንኣሃድነት ኣሚትና ብእንገብሮ ናይ ሃባር ጉዕዞ ምኽንያት ውሁዳት ኢና፡ እቲ ዘዋህደና ካብቲ ዝፈላለና ኣዚዩ ይዓብይ።

ኣብዚ እነብሮ ዘሎና ወርሒ ጥቅምት መወዳእታ ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ስዊድን ከተማ ሉንድ ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ሕዳሴ ሉተር ምስ ፈደራልዊ ዓለም ሓቆፍ ሉተራናውያን ብሓባር ተዘክሮ ንምቕራብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከካይዱ ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ኣዘኻኺሮም ስለ እቲ ናይ 500 ናይ ሓባር ርክባትናን ናይ ሓባር ዘተ ጐዕዞና ንእግዚኣብሔር ከነመስግን ኢና እቲ እንፍጽሞ ተዘክሮ ብሓባር ኣብቲ ሎሚ ጽምኢ እግዚኣብሔርን ጽምኢ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘንቀጾ ዓለም ሱታፊያዊ ናይ ሓባር ክርስቲያናዊ ምስክርነት ምቕራብ ኣብ ዝብል ዕላማ እናማዕደና እንፍጽሞ ጉዕዞ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ምስክርነት’ዚ ሎሚ ዓለም ሃረር ዝብሎ እዩ። ብፍላይ ምሕረት እግዚኣብሔር በቲ ግብረ ሰናይን ንድኻታትን ህሙማንን ዝተናዕቁን ንዝተነፍጉን ንዝተሰዱን እነቕርቦ ኣገልግሎት ክምስክሮ ዓለም ትጽቢቱ እዩ። ኣብ ግብረ ሰናይ ምጽማድና ድሮ ኣሃድነት ተመክሮና ንገብር ኣሎና። ምሕረት እግዚኣብሔር ሓደ ይገብረና።

ፍቱዋተይ ብፍላይ መንእሰያት ናይ ምሕረት መሰኻኽር ኩኑ። ናይ ቲይሎጊያ ሊቃውንቲ ኣብ ጠመቕ ትምህርቲ ዘተኰረ ናይ ሓባር ዘተ እንከካይዱ ንስኻትኩም ድማ ሰናይ ኣጋጣምታት እናተጠቐምኩም ካብ ምርኻብን ዘተን ብሓባር ካብ ምጽላይን ንሓደ ሕድኵም እናተደጋገፍኩምን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ቀረባ እናዀንኩም ብምግልጋል ብሓባር ትጓዓዙ ኣለኹም። ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ እንክትፍጽሙ ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ቃለ ወንጌል ኣሜን ቢልኩም ካብ ዝዀነ ይዅን ጅምላዊ ቅድመ ፍርዲ ናጻ ትዀኑ ኣለኹም ማለት እዩ። በዚ ብሓልዮት እግዚኣብሔር ናብቲ ምሉእ ውህደት ኣቕኒዕና እንጓዓዘሉ መገዲ ኣቢልና ሰላምን ዕርቅን ንምስክር።

ጸሎተይ አረጋግጸልኩም። ንስኻትኩም ድማ ስለይ ሓደራ ጸሎትኩም ብዙሕ እዩ ዘድልየኒ እሞ ጸልዩ።

እግዚኣብሔር ክብረቱ ይሃበለይ ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ፒሪ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.