2016-10-11 16:18:00

ኣዋጅ ብፅዕና ኣብ ስፐይን


ኣብ ስፐይን ከተማ ኦቪየዶ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ውሳኔ ኣዋጅ መሠረት ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተ ቅዱስ ማሕበር ህየተ ብፅዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ስፐይን ብናይ ነምብራ ሰማዕታት ዝፍለጡ ነኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቆሞስ ኼናሮ ፉወዮ ካስታኞን ናይታ ቁምስና ኣባላት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ሰጉንዶ ኣሎንሶ ጎንዛለዝ፡ ኢሲድሮ ፈርናንደዝ ኮረድሮ፡ አንቶኒዮ ጎንዛለዝ ኣሎንሶ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ብፁዕና ከምእተኣወጀሎም ናይ የቅድስት መንበር ዜናና ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዞም ሓደስቲ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ካብ 1934 ዓ.ም. ክሳብ 1937 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ተኸሲቱ ብዝነበረ ውግእ ሕድ ሕድ ብእምነቶም ምኽንያት ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ክትእውጀሎም ኣብ ልዕሊ ኣሳደድቶምን ቀተልቶምን ሕነ ክትፈድይ ዘኰነስ ንቅኑዕን ፍትሓውን ድላይ ተዘክሮን ብምኻኑ እዩ። እዞም ኣርባዕተ ሰማዕታትን ስለ እምነቶም ዝተገፍዑን ዝተጽልኡን ኰይኖም ናብ መቕተልቲ እንክውሰዱ ንቐተልቶም ምሕረት እግዚኣብሔር ዝተማህለሉን ናይ ሓቀይና ዓወት ትርጉም ዝመስከሩን ኣብ ልዕሊ ሰይጣናውን ዕዉር ጽልእን ዓመጽን ሰብኣውነት ሰዓሪ እዩ ዝበሉን ነቲ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘሎ ሕይወት ዝመስከሩ እያቶም ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ቀይሕ መስመር ተባሂሉ ኣብ ናይ ስፐን ታሪኽ ውግእ ሕድ ሕድ ዝጥቀስ ካብ 1937 ክሳብ 1937 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ እዋን 13 ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ዝርከብዎም 6838 ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዓለማውያን ምእመናን ከምእተቐትሉን ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ደም ሰማዕታት ታሪኽ ጠቒሶም እንክዝክሩ እዞም ሓደስቲ ኣርባዕተ ሰማእታት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እምነት ናይ ምንባር ጉዕዞ መሰኻኽር እያቶም ቢሎም ንክርስቶስ ናይ ደም ሰማእትነት ክሳብ ምቕባል እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ እውን እያቶም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲና ኣማቶ ስብከቶም እቲ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም. መእተዊ ሓድሽ ዓመት ንሮማን መላእ ዓለም ሐዋርያዊ ቡራኬ እንክህቡ ክርስቲያን ናይ ካልእ ዓይነት ሰብኣውነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ውሽጡ ሓይሊ ፍቕርን ፍትሕን እግዚኣብሔር ሒዙ ዝጓዓዝ ጎነጽ ምጥቃም ኣየድልዮን በሃሊ እዩ። በንጻሩ ናይ ሓቅን ውህበን ውበትን ፍቕርን ቃል ዝዛረብን በሓቀን ውህበትን ውበትን ፍቕርን ዝዓዪይ እዩ ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.