2016-10-11 16:21:00

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሞናኮ ከተማ ናብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዓውደ ጉባኤ ብይብጻሕ ናብቲ ናይቲ ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ቡዳፐስትን ኤስተርጐምን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅድም ቀዳድም ነቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽር ሕብረት መንፈሳዊ ቅርበቶም ብምርግጋጽ እምነትን ሱታፌን ሓሴትን ንምክፋል ሕውነታውን ቤተ ክርስቲያናውን ርክባትን ብምንቕቓሕ ኣሚቱ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ዘለዎ ዓቢይ ግደ ጠቒሶም ኣብዚ መዳይ ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝድነቕ ምዃኑ ንኢዶምን እቲ ናይ ምስራቕን ምዕራብን ሃገራት ኤውሮጳ ክልተ ሳንቡእ ኣብ ሓደ ኣካል ብዝዀነ ዓይነት ውሁድነት ዝህቦ ኣገልግሎት መሰረት ንናይ ሃገራት ኤውሮጳ ክቡራት ዋጋታት ልዑል ክብሪ ብምሃብ ብኡሙን ኣገልግሎት እውን እናበራተዐ ዝህቦ ዘሎ ዕዉት ኣገልግሎት ከቕጽል ሓደራ ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሃገራ ኤውሮጳ ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ንዓሰርተ ዓመት ብኣቦ መንበርነት ንዝመርሑን ክልተ ብምኽትል ኣቦ መበርነትት ዘገልገሉ ናይ ኣግልግሎ ዘመኖም ንዘብቅዑ ሓዋርያዊ መርሕነት ኣካላት ዝትክኡ ሓደስቲ ኣካላት ከምዝመረጸን ምኽትል ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲና ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣቦ መንበር ንኽዀኑን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ወስትሚንስተር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮላስንና ኣብ ፖላንድ ናይ ፖዝናን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ስታኒስላው ጋደኪን ብምኽትል ኣቦ መንበርነት ከምዝሓረየ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተኻየደ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ “ክሕደት ህልዎተ እግዚኣብሔር መንፈሳውን ማሕበራውን ድኽነትን እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሓባር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘውጽኤ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፥ ንናይ ኢየሱስ ክርስቶ ኣምላኽ ዜጋውነት ምንጻግን ህልዎቱ ምኽሓድን ውሕስነት ምዕባለ ዘይኰነስ ነተ ኣብ እዋንና እንርእዮ ዘሎና ማሕበራውን ኤኦኖሚያውን ባህላውን ድኽነት ንዘኸትል መንፈሳውን ግብረ ገባውን ድኽነት ኣናሳር እዩ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝትንትን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሃይማኖት ንሰብኣውን ንምሉእን ውሁድን ምዕባለ ረቛሒ እዩ

ንሓደ ሃይማኖት ቅኑዕ ዘብሎ ንሰብኣውን ንምሉእን ውሁድን ምዓባለ ረቛሒ ምስ ዝኸውን እዩ። በዚ ትጽቢት’ዚ ኤውሮጳ ንክርስትና ብዝተፈላለየ ግብረ ኣድልዎ ዝንጽል ማሕበረ ባህላውን ምልክታ ዝረኣየላ ካብ ምዃን ተላቒቓ ብጥዑይ ዘይ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ርእየት ኣቢላ ነቲ ሃይማኖት ኣብ ማሕበራውን ኣብ ናይ ሕዝቢ ሕይወትን ዘለዎ ቅኑዕ ክብሪ ኣፍልጦ ክወትህበሉ ንላበው ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ዓለም ዝረአይ  ጸረ ክርስቲያን ኣሳዶ ንኹንን

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ምሉዕ ጉባኤ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስቲያን ዓመጽን ኣሳዶን ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ከምዝዘተዩን እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብፍላይ ድማ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝሃስይን ዝግህስብ ዝረአዩ ዘለዉ ተግባራት ኩሉ ንኹንን ቢሎም፡ እቲ ግህሰት ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝወርድ ዓመጽ ኢኣመክንዮኣዊ ተግባርን ብፍላይ ድማ እቲ ዘሕዝን ሃይማኖታዊ ገምሪ ዘለዎን ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ብምዃኑ እዩ። ስለዚህ ዝዀነ ይኹን ጸረ ስብኣዊ ዓመጽ ብስም እግዚኣብሔር ምስ ዝፍጸም ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እስዒቡ፥

መንግስታትን ሃገራትን ጸረ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ክቖሙ

ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዓመጽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ግብረ ዓመጽ ንምፍጻም ስም እግዚኣብሔር ምውካስን ብስም እግዚኣብሔር ኢሰብኣውያን ተግባራት ምኽዋን ዘይ ቅኑዕ ጥርሕ ዘኰነስ ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ሃገራት ኤውሮጳ ገሊጾም መግስታትን ሃገራት ዓለምን ከምዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብዓውታ ክቃወምዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰብኣዊ ክብርን ሰብኣዊ ምሉእነትን ብፍላይ ድማ ናይቶም ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓቆፍ ውሑስ ኣብ ምግባር ክዓዩ ሓደራ ከምዝበሉ የመልክት።

ብምኽንያት እምነቶም ዝተነጸሉን ንስደትን መከራን ንዝዳረጉ ማሕበረ ክርስቲያን ብምሕሳብ

ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ነቶም ብእምነቶም ስለ ዝሳደዱን ንዓመጽን መከራን ዝተቓልዑ ማሕበረ ክርስቲያን ብምሕሳብ ብክርስትያናዊ እምነቶም ንሓሳርን መከራን ብተነጽሎን ንዝሳቐዩ ኣሕዋን ኣሓትን ብምዝካር ስሌኦም ድምጽና ዓው ኣቢልና ቅርበትናን ጸሎትናን ብምርግጋጽ ማሕበረሰብ ዓለም ስሌኦም ክጣበቕ ጻውዒት ነቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበረሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ስሌኹም ድምጽኹም ኰይና ንዓለም ከነስምዕን ንበይንዅም ኣይክንሓድገኩምን ኢና፡ ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ድምጽኹም ነስምዕ ቢሎም ስለ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ናይ ደም ሰማዕትነት ዝቕበሉ ብሩህን ህያውን ምስክርነቶም ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ሓይሊ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.