2016-10-08 16:24:00

ሲኖዶስ 2018 ዓ.ም.፥ መንእሰይ እምነትን ጸዋዕታዊ ልልያን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ከምቲ ልሙድ ዝኽተልዎ ኣገባብ ምስተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ላቲን ስርዓትን ከምኡ እውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ምስ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤታትን ናይ መላእ ካቶሊካውያን መፈሳውያን ናይ ደናግልን ካህናትን ኣሓውን ማሕበራትን ገዳማትን ማሕበር ናይ ዓበይቲ ኣሕሉቕን ናይቲ ስድራ ቤት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ናይ ዝተኻየደ መበል 14 ሓፈሻዊ መደበይና ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣበው ድሕሪ ምምኽኻር፥ ብዛዕባ መንእሰይን እምነትን ጸዋዕታዊ ልልያን ዝመክር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ከምዝጠለቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሲኖዶስ ንኽዝትየሉ ዝተወሰነ ርእሰ ጉዳይ ባዕሉ እቲ ሲኖዶስ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝልለይ ዘሎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያትን ከምኡ እውን እቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝዘተየ መበል 14 ሐፈሻዊ መደበይና ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓ ጳጳሳት ሲኖዶስ ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን ነዚ ሰነድ ኣደጊፎም ዝውሰኽ ወሲኾን ዝሕደግ ሓዲጐምን  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘጠቓልሎ እዚ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝሃቦ ምዕዶታት መሰረት ዝገበረ ከምዝዀነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ መንእሰይ ኣብ ልልያ ጸዋዕታኡ ክስነይን ኣብ ብሱል ልልያ ጸዋዕታ ሕይወት ንኽበጽሕን  ኣብ ሕይወቱ እንታይነት መደብ ኣምላኽ ከለልይን ነቲ መደብ ኣለልዩ ድማ ብሓሴትን ምስ እግዚኣብሔርን ብጻይን ምስ ሰብኣዊ ፍጥሩ ንምርኻብ ገዛእ ርእሱ ከርህውን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበራዊ ሕይወትን ንጡፍን ንቑሕን ተዋሳእነት ክህልዎ ንምድጋፍን እዚ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሐዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትርጓም ዝድርኽ ዝብል ሓሳብ ማእከል ገይሮም ዝጽውዕዎ ሲኖዶስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.