2016-10-08 16:29:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ከተማ ሚዩንክ ናብ ዝካይድ ዘሎ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዓውደ ጉባኤ ብይብጻሕ ናብቲ ናይቲ ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ቡዳፐስትን ኤስተርጐምን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅድም ቀዳድም ነቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽር ሕብረት መንፈሳዊ ቅርበቶም ብምርግጋጽ እምነትን ሱታፌን ሓሴትን ንምክፋል ሕውነታውን ቤተ ክርስቲያናውን ርክባትን ብምንቕቓሕ ኣሚቱ እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ዘለዎ ዓቢይ ግደ ጠቒሶም ኣብዚ መዳይ ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝድነቕ ምዃኑ ንኢዶም ኣቲ ናይ ምስራቕን ምዕራብን ሃገራት ኤውሮጳ ክልተ ሳንቡእ ኣብ ሓደ ኣካል ብዝዀነ ዓይነት ውሁድነት ዝህቦ ኣገልግሎት መሰረት ንናይ ሃገራት ኤውሮጳ ክቡራት ዋጋታት ልዑል ክብሪ ብምሃብ ብኡሙን ኣገልግሎት እውን እናበራተዐ ዝህቦ ዘሎ ዕዉት ኣገልግሎት ከቕጽል ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብትሕቲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብፁዓን ጳጳሳት እትመሓደር ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ብዓለማዊ መገዲ ኣንፈቱ ከይስሕት መታን ቅኑዕ ፍርዲ ናይ ምሃብን ምስትዓልን ብቕዓት ክህልዎ ትኽክለይና መምዘኒ ብምቕራብ ሕልና ብምብርባርን ሕንጸተ ሕልና ብምቕራብ ቅኑዕን ዝተገብኤን ምርጫ ክስዕብ እትህቦ ኣገልግሎት ለውሃትን ሓልዮን ዝዓሰሎ ብጥበብን ርሑቕ ጠማትነትን ሓዋርያዊ ቀናእተይናነትን ዝምሕ እትህቦ ኣገልግሎት ዝነኣድ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብፁዕነቶም ካርዲናል ኤርዶ ኣብ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ብኣቦ መንበርነት መርሕነቶም ዝህብዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ቅዱስ ኣቦና ኣድኒቖም ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ናይ ኩሎም ቅዱሳት ብፍላይ ድማ ናይ ኤውሮጳ ሐለውቲ ቅዱሳት ቅዱስ በነዲክቶስን ቀርሎስን መጠዲዮስን ነታ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ካብ ገዛእ ርእሳ ብምጻእ ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናንን ኣናቕንዔት ብሓሴት ናይ ምሕረት ወንጌል ንኽተበስርን ወንጌላዊ ተስፋ ንኽትምስክርን ተባዕ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ኣማላድነቶም ኣይፈለየና ቢሎም። ንሶም ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣሕዋተይ ሓደራ ስለይ ጸልዩ ቢሎም፡ ነተን በተን ኣብቲ ኣኼባ ብዝተረኽቡ ብፁዓን ጳጳሳት ዝውከላ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝምርሑ ምእመናን ድማ ብኣኣቶም ብፁዓን ጳጳሳት ኣቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.