2016-09-29 15:55:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ሺሞን ፐረስ ውርሻ ነኽብር


ናይ ሃገረ እስራኤል ነበር ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስ ዜና ዕረፍቲ ምስ ተሰምዔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሩቨን ሪቪሊን ናይ ሓዘን መግጸሊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ዝተሰምዖን መሪር ሓዘን ገሊጾም ንመላእ ሕዝቢ እስራኤል ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ፐረስ ዘካይድዎ ርክብን ስለ ሰላምን ደገፍ ሰላምን ዘርኣይዎ ጭቡጥ ዘይሕለል ጻዕሮምን ዘኪሮም፡ ተዘክሮ ናይ ሺሞን ፐረስ ምእንቲ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ዕርቅን ሰላም ክረጋገጽ ብዝለዓለ ሕጽጽነት ኵሉ ብሓባር ክተግህን ክዓዪን ዝድግፍ ክኸውን ኣላበው ቢሎም፡ እቲ ተዘክሮ ፐረስ ኣብዛ ዓለም ብሕይወት እንከለዉ ስለ ናይ ሓባር ጥቕምን ንምርግጋጽ ሰላምን ተጊሆን ዘረአይዎ ፖለቲካውን ባህላውን ህርኵትነት መላእ ዘርኢ ሰብ ናብ ነባሪ ሰላም እናማዕደወ ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ ሓድሽ ኣገላልጻን ድርኢትን ረኹቡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣሚቱ ነዘሳልጦ ጻዕሪ ዝድግፍ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ተዘክሮኦም ህልው ኰይኑ ዝኽበር ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ እንከጠቓልሉ፥ ነቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡን ብፍላይ ንስድራ ቤት ፐረዝ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ንመላእ ሃገረ እስራኤል መጸናንዕን ንሓይልን ዝዀነ መለኰታው ቡራኬ እምሕጸን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍል ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.