2016-09-27 15:47:00

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ስዊድን


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 2 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋመ ህዳሴ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ስዊድን ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓ ንኽሳተፉ ኣብታ ሃገር ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡

ሰኑይ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ልክዕ ሰዓ ሸሞንተን ዕስራን ናይ ንጐሆ ነቒሎም ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ማልሞ መዕርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ወግዓውን መንግስታውን ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም

ሰዓት 11.05 ምስ ናይ ስዊድን መራሔ መንግስቲ ኣብ ምዕርፎ ነፈርቲ ክራኸቡ እዮም፡

ሰዓት 01፡50 ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሉንድ ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ሕንጻ ምስ ንጉሳዊ ስድራ ቤት ተራኺቦምን

ሰዓት 14፡30 ኣብ ሉንድ ኣብ ዝርከብ ሉተራናዊ ካቲድራል ኣብ ናይ ሓባር  ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተሳቲፎም ስብከት ከምስዑ እዮም

ሰዓት 16፡40 ኣብ ማልሞ ኣብ ዝርከብ በታ ናይታ ከተማ ስም ኣብ ዝጽዋዕ ጐልጐል ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር      መንፈሳዊ መደብ ክሳተፉን ዘረባ ከስምዑን እዮም

ሰዓት 18፡10 ምስ ናይ ዝተፍፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ላዕለዎት መራሕቲ ክራኸቡ እዮም

ሰሉስ ዕለት 1 ሕዳር 2016 ዓ.ም.

ሰዓት 09፡30  ኣብ ማልሞ ስዊድባንክ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን

ሰዓት 12፡30 ወግዓዊ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ተገይሩሎም

ሰዓት 12፡45 ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ማልሞ ክነቕሉን

ሰዓት 15፡30 ሮማ ፊውሚችኖ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.