2016-09-24 16:39:00

ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ


ዓባይ ብሪጣንያን ወይልስን ሰሜን ኣየርላንድን ዘጠቓልል ሃገረ ንጉሳን ሕብረት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብሕዝበ ውሳኔ ድሕሪ ምውጻእን ብሔራዊ ኢጎነትን ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ኤውሮጳ ንእዋናዊ ፖለቲካዊ ብድሆታት ንኽትብድህ ብቕዓት ኣለዋ ዶ ዝብል ሕቶን ዝረአይ ጉድለት ግድድፋት ካብ ወገን ኣባላት ሃገራትን ዝአመስሉ ጉዳያት ሕዝቢ ኣብቲ ሕብረት ንዝነበሮ እማኔ ይሃስይ ከምዘሎ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሙዩኒክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 22 መስከረም 2016 ዓ.ም. እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ፉልዳ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣደጊፎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

እቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያን ወይልስን ሰሜን ኣየርላንድን ዘጠቓልል ሃገረ ንጉሳን ሕብረት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጻእ ንናይቲ ሕብረት ህላዌን ምዕባለን ብዙሕ ሕቶታት የቕርብ። ሕብረት ኤውሮጳ ውጥን ናይ ሰላምን ዕርቅን ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ብዛዕባ ናይቲ ሕብረት መጻኢ ኣብ ዘተኰሩ ምይይጣትን ርክባትን ንቑሕ ግደ ከምዝህልዋ ብምርግጋጽ እዚ ድማ ንምሉእነት ኤውሮጳ ዝምልከትን ውህደትን ሰላምን ዝብል ውጥን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዝድግፍን ኣብ ናይ ሕይወት ባህሊ ንቕድሚ ንምስጓም ናይ ሕይወት ክብሪ ብኩለ መዳዩ ኣብ ኤውሮጳ ክኽበር ዝድግፍ ምትሕብባር ከምእተቕርብ እቲ ዝተኻያደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዘመልከቶ ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘመልከቱ ፒሮ ሓቢረን።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ንኣስፍሆተ ወንጌል የተባብዕ

እቲ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓጸረ እዋን “ሕንጸት ኣብ ተኻፋልነት መራኸቢ ብዙኃንን ፍትሕን” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአየ ዘሎ ዘይምዕሩይ ተጠቃምነት እደ ጥበብን ተበጽሖታት ምዕባለን ዘተኰረ ሰነድ ንንባብ ከምዘብቅዕ ገሊጾም እቲ ጉባኤ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ከምዝዘተየን እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንኣስፍሆአ ወንጌል ዘተባብዕ ምዃኡ ብምትንታን ዘለዎ ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላዊ ትርጉሙ ከምዘድነቐን ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምእትትርጉሞ እውን ክርምዘረጋገጸ ኣፍሊጦም እንክብላ ፒሮ ሓቢረን።

ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮትን ደገፍን

ኣብቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ክርስቲያን 66 ብፁዓን ጳጳሳት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ናይጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ንልዕሊ ዓስርተ ዓመት ዝተጸንዔን ካብ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ ሓምሳ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተንተንቲ ሊቃውንቲ ዘሳተፈ መደብ መሠረት ዳግም ዝተሓደሰ ንኹለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘገልግል ናይ ሓባር ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክሕተም ምዃኑ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ጠቒሰን ዝገለጻ ፒሮ ኣስዒበን፡ ኣብ ጀርመን ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቀዳሞት ሸውዓተ ኣዋርሕ ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ደገፍ ኣብ ውሽጢ ጀርመን ንዝተወጠኑ መደባት ግብረ ሰናይ መሳለጢ ካብ 27 ሰበኻታት ጀርመን 52,2 ሚሊዮን ኤውሮን  27,3 ሚሊዮን ኤውሮ ድማ ኣብቲ ቅልውላው ዘለሉ ከባቢ ዓለም ዝረአይ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጸገም ንምብዳህ ኣሚቱ ንዝካየድ ናይ ግብረ ሰናይ መደባት መሳለጢ ከምእተለገሰ ድማ ሓቢረን፡ ኣብ ጀርመን 28 ሺሕ ተመዛበልቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዕቆቢ ማእከላት ከምዝርከቡ ኣዘካኺረን ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤቢል ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባሻር ዋርዳ ብዛዕባ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዒራቅ ርእሰ ጉዳይ ኣሞርኲይዞም ቃል ምስክርነ ከዘስምዑ ኣፍሊጠን።

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ዝክረ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝካይድ በዓል ሱታፌ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ተመስሎኡን ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ናይ ጀርመን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ጀርመን ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ቅድስቲ መሬት መንፈሳዊ ንግደት ከካይዱ ከምዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮምን ኣብ መወዳእታ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ እዋናዊ ሕብረተሰብ ዘለዉ ብድሆታት ንምግጣም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ንምሕያል ዝድግፍ ዝተፈላለዩ ናይታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ተቛማትን ዓለማውያን ምእመናን ዘሳትፉ ዝተፈላለዩ መደባት ክካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም እንክብላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.