2016-09-24 16:27:00

ናይ ኢጣሊያን ሩሲያን ሓባራዊ ናይ ባህሊ ተቛም


ኣብ ሮማ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ኵባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ዘካየድዎ ርክብን ዘጽደቕዎ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘማእከለ ናይ ኢጣሊያን ሩሲያን ጥበብን ስነ ምርምርን እተሰምየ ናይ ሓባር ተቛም ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ምስ ዝኽፈት ብዝብል እርእስቲ ኣምሪሑ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለ 24 መስከረም 2016 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ናይቲ ተቛም ሕንጻ ከምእተኻየደ ዘኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ጳጳሳዊ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ምስ ናይ ሞስካ ፓትሪያክ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ሃኣሲንተ ደስቲቨለን ናይ ሞስኮን ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ወጻኢ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክባት ሓላፊ ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን ከምዝዀኑ ዝሓበረ ዘኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ብዕምቆት መርሚሩ ብፍላይ ብዛዕባ ሕንጸትን ባህልን ስድራ ቤትን ስደተይናታት ታሪኻውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጎድንታቱን ሰላምን ዘመልክቶ ርእሰ ጉዳያት ብዑምቀት ዝተንተነ ምንባሩ የመልክት።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ መዝገብ ልሂቅ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ካርዲናል ራፋኤለ ፋሪና ከምእተረኸቡን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ፕሮኮሮቭ ዝደረስዎ ኣብ ናይ ዲዮኒጂ ሰነዳት ብፍላይ ናይ ሕጊ ጽሑፋቱ መሰረት ገይሮም ናይ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ መሰረት ዝትንትን መጽሓፎም ብወግዒ ንንባብ ቅድሚ ምቕራቡ ትሕዝቶኡን ጥልቂ ትርጉሙን ታሪኻው ተነብቦኡን ብዝብል ሓሳብ ቅድመ ትንተና ከምእተወሃበሉ ዝገለጸ ዘኒት ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣስዒቡ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ኢጣልያን ሩሲያን ጥበብን ስነ ምርምርን ተቛም ኣቦ መንበር ጁዘፐ ካርዲሎ ኣዛሮ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ታሪኽ ስኒት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምእተዛዘመ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.