2016-09-22 16:48:00

ዛምቢያ፥ ሻቕሎት ኣቢያተ ክርስቲያን


ናይ ዛምቢያ ሓድሽ መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ናይ ብሔራዊ ጉዳይ መምርሕን ናይ ሃይማኖታትን ጉዳይ ሚኒስትሪ ክቐውም ብምግባሩ ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ታሃገር ናይ ዝተፈላለያ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን መፈሳውያን መራሕቲ ጽላኣላዊ ኣካልን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ብርቱዕ ተቓውሞ የስምዑ ምህላዎም ካብ ዛምቢያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝፍነዉ ምንጪ ዜናታት ኣፍሊጦም።

ኣብ ዛምቢያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኤኮኖሚያዊቅልውላው ግምት ብምሃብ ካልኦት ነታ ሃገር ኣጋጥሞም ዘለዉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ብድሆታት ግምት ብምሃብ እቲ ዝቖመ ሓድሽ ቤት ጽሕፈ ሚኒ. ኣድላይነቱ ንምርዳእ ይጽግም ዜጋታት ሃገሮም ዴሞክራሲያዊት እምበር ተመራሒት ስርዓት ሃይማኖታዊ መንግስቲ ክትከውን ኣይኰነን ድላዮም ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዛምቢያን ናይታ ሃገር ናይ ዝተፈላለያ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን መፈሳውያን መራሕቲ ጽላላዊ ኣካልን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣን ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ተቒሶም ሓድሽ ርእሰ ብሔር ዛምቢያ ኤድጋር ቻግዋ ሉንጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ናይቲ ዘቖምዎ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዋና ተጸዋዒ ንኽዀኑ ብሚስትር ስልጣን ናይ ጴንጠቖስጣል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሉሳካ እትርከብ እንጌራ ሕይወት ናይ እተሰምየ ቤተ ክርስትያን መጋቤ ጎድፍሪኣህ ሱማኡሊ ክዀኑ እንከለዉ ኣባል ፓርላማ እውን ቢሎም ከዝሰመይዎምን እዚ ውሳኔ ናይ ርእሰ ብሔር ናይ ዛምቢያ ሕዝባዊ ባይቶ ውሳኔ ድምጺ ዘድልዮ እውን እተዀነ እቲ ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ድምጸ ውሳኔ ንይስሙላ ከዝዀነ ብምሕባር  ናይ ዛምቢያ ናይ ወንጌላዊ ተኸሎትሎ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ወሳኒ ኣካል ዋና ኣመሓዳሪ መጋቤ ፑኩታ ምዋንዛ ብስም ጰንጠቆሳጥውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዛምቢያ ርእሰ ብሔር ሉንጉ ዝወሰድዎ ውሳኔን ንሚኒስትርነት ዝሸምዎምን ጠቒሶም እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ዛምቢያ ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ዘነቓቕሕን ዛምቢያ ክርስትያናዊት ሃገር እያ ናብ ዝብል ውሳኒ ዝሰንይ እዩ እንክብሉ  ምስጋና ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ምንጭታት ዜና ዛምቢያ፥ ርእሰ ብሔር ብዛዕባ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ተቓውሞ ኣመልኪቶም እቲ ዝቖመ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ኣብ መንጐ መንግስትን ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ርክባት ውሁድ ዝገብር እዩ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ሓላፍነ የብሉን እክብሉ መግለጺ ከምዝሃቡ የመልክቱ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.