2016-09-15 18:30:00

ጓሶት ነፍሳት ከም መሳፍንቲ ዘይኮነስ ከም ኢየሱስ ኣብ መንጎ ሕዝቦም ይመላለሱ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ጓሶት ቤተ ክርስትያን ካብ ሕዝቦም ክርሕቁ የብሎምን፣ እንታይ ደኣ ኣብነት ናይቲ ድሕነት እግዚኣብሔር ንኽዕድል ኣብ ማእከል ድኻታት ዝመላለስ ዝነበረ ክርስቶስ ይከተሉ’ እንክብሉ ነቲ ጐይታ ‘ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።’ (ማቴ 11.28) ዝበሎ ተንቲኖም።

ኣብዚ ክዛዘም ቁሩብ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ዘሎ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዘዘኻኽረዎ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ እንክኸውን ትማሊ ኸኣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ምሕረት እግዚኣብሔር ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንድኽነት ደቂ ሰባት ከምተሸከመን ኩሎም ከኣ ምሕረት ክርኽቡ ከምዝኽእሉ ከምዝገበረን ምናዳኸኣ ብላቲናዊ ስርዓት በዓለ መስቀል ኣብ ዝዝከረሉ ነቲ ጐይታ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።’ ዝበሎ ቃል ጠቂሶም ክርስቶስ ንኩልና ቀረባና ከምዝኾነ ምናዳ ኸኣ ንድኻታት ቀረባኦም ከምዝኾነ ገሊጾም፣

‘ኢየሱስ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ኣብ መንጎ ድኻታት ዝመላለስን ወትሩ ምሳኦም ዝሰርሕ ከምዝነበረ እምበር ከም ሓደ መስፍን ኣይተመላለሰን፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ጓሶት ነፍሳት ክንዲ ኣብ መንጎ ሕዝቦም ዝመላለሱ ከም መሳፍንቲ ካብ ድኻታት እንተርሒቆም መንፈስ ኢየሱስ ኣጥፊኣ ማለት እዩ፣ ነዚኦም ጓሶት እዚኦም ኢየሱስ ይነቅፎም ንሕዝቢ ኸኣ ዝብሉኹም ግበሩ ዝገብርዎ ግን ኣይትግበሩ እናበለ የስተምህር ነበረ፣ ነቶም ጾር ዝኸበዶምን ዝደኸሙን ከኣ ናባይ ንዑ ካባይ ተማሃሩ እናበለ ይእዝዞም ነበረ። ናይ ሎሚ መራሕትና ከማኡ እንተዝኾነ ክንደይ ኮን ምጠዓመ። ስለዚኸስ እቶም ዓለም ዝጠለመቶምን ዝደኸሙን ድኻታትን ናኣሽቱን ዝኣምንዎ ዝኾነ ነገር የብሎምን ኣብ ገዛእ ርእሶምስ ይኹን ኣብ ካልኦት ሰባት እንኮ ዋሕሶም እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ምሉእ ብሙሉኡ ናባኡ ምጽጋዕን ብኣኡ ምእማንን እዩ፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ ኣርድእቱ ይኾኑ፣ በዚ ከኣ ዕረፍቲ ሕይወት ይረኽቡ፣ እዚ ተስፋዚ ንኩሉ ዝተዋህበ እዩ፣ በዚ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ድሕነት ከስ ኣብ ዝተፈላለየ ካተድራላት ኣብ መካነ ንግደታት ኣብ ብዙሕ ኣብያተ ክርስትያን ዓለም ሙሉእ ኣብ ሆስፒታላትን ኣብ ቤትማእሰርታትን ከይተረፈ ቅዱስ ማዕጾ ናይ ምሕረት ተዋሂቡና ስለዘሎ ንጠቀመሉ። እዚ መዓጹ ምሕረት እዚ ንኢየሱስን ነቲ ንሱ ዘተስፈወናን ንሱ ጥራይ ክህበና ዝኽእል  ዕረፍቲ ንክንረክብ የኽእለና፣ እዚ ጒዕዞ እዚ ንኢየሱስ ንምስዓብ ዝግበር ናይ ናይ ነፍሲወከፍ ተመሃራይ ለውጢ ልቢ እዩ፣  ንስሓ ወትሩ ንምሕረት እግዚኣብሔር ብምፍላጥ ይቀውም ከመይ ምሕረት እግዚኣብሔር ዓቢ ስለዝኾነ ንዘለዓለም ዘይነጽፍን መወዳእታ ኣልቦን እዩ፣ ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምርኻብና ማእከል ከኣ ክርስቶስ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ቃሉ ዝብሎ ከኣ ነርዑቱ ብምቅባል ነፍሲወከፍ ተመሃራይ ምስ ክርስቶስ ይወሃሃድ፣ ንፍቃድ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦ ከኣ ነዙይ ኣርዑት እዙይ ብምቅባል ንርድኦ፣ እዚ ኣርዑት እዚ ፈኲስን ጥዑምን እዩ፣  ኢየሱስ ከምቶም ካልኦት ባዕሉ ንዘይሽከሞ ኣርዑት ንተኸተልቱ ኣየሸክምን እዩ። ንሱ ናይ ኩልና ድኻምን ስቃይን ተሸኪምዎ እዩ፣  ርግጽ እዩ ሓንሳእ ሓንሳእ ድኻም ይስመዓና እዩ፣ ኣብዚ ክንጥቀቀሉ ዘሎና እምንቶና ምናልባት ኣብ ክንዲ ኣብ ኢየሱስ ኣብ ሃብትን ሓይልን ገርና ከይንኸውን ነቲ መሰረታዊ ነገር ገዲፍና ኣብ ግዝያውን ሓልፍን ኣተኲርና ከይንኸውን ምጥናቃቅ የድሊ፣ ጐይታኸስ ናይ ምሕረት መጋበሪ ንምዃን ብመንገዲ ምሕረት ምምልላስ ከምዘድሊ ይምህረና፣ ብመንገዲ ምሕረት ምምልላስ ማለት ምሕረት ኢየሱስ ከምዘድልየካ ምርዳእን ምሕረቱን ይቅረታኡን ምሕታትን እንክኸውን በዚ ከኣ ነሕዋትና ክንምሕርን ይቅረ ክንብልን ንመሃር፣ ናይ ጐይታ ተኸታሊ ምዃን ንዝህቦ ዕጋበትን ታሕጓስን ማንም ከሕድገና የብሉን፣ ልብና ብምኽፋት ጉይታ ክጥምተናን ምሕረቱ ክህበናን ነፍቅደሉ ሽዑ ልባትና ብታሕጓስ ክመልእ እዩ፣ እዚ ታሕጓስ እዚ ናብ ጐይታ ቀሪብካ ምሕረት ምስ ሓተትካን ከምዝተመሓርካ ምስ ፈለጥካን ዝመጽእ ደስታ እዩ፣ ነዚ ሓጎስ እዚ ማንም ከሕድገኩም የብሉን’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.