2016-09-15 16:35:00

ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኢጣሊያ ቅዱስ መጽሓፍ ማሕበር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሙን ናይ ኢጣሊያ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ንምርኻቦምን ንስሌኦም ዘስምዕዎ ቃል ምስጋና ብልቢ ኣመስጊኖም ኣብ ዘንቀልዎ ቃለ ምዕዳኖም፥ ፍቱዋትይ ምሳኹም ምርኻበይ ብሓቂ ደስተይና እየ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሳምንቲ መርሕ ቃል “ሰብኣውነት ሰብኣይን ሰበይትን ገይርና ንፍጠሮ፡ ቅና ክልተ ኣንጻራዊ ሰብኣይን ሰበይትን ምህላው ጾታዊ ስምዒት ብመጽሕፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን” ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም፡ ምእንቲ’ዚ ነዚ ርእሰ ጉዳይ’ዚ ብዕምቆት ከምዝመርመርኩምዎን እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣመርኵይዝኩም ከምዘዕሞቕኵምዎ ድማ ርግጸይና እየ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዘቕርበዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብሰፊሑ ተንቲኖምዎ እዮም። ኣነ እውን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 15 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብክዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ እቲ፥ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮ” (ኦሪት 1.27) ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዘኪሮም ከመይ በርኣያን ኣምሳልን ፈጣሪ ከምዝተፈጠርና ምስትንታን ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ካልኦት ፍጥረታትን ካብ ፈጣርን እውን እቲ ፍልይ ዘብለና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ፈጣሪ ኣይኰናን በርኣያኡን ኣምሳሉን ዝተፈጠርና ምዃናናን ናይ ፈጣሪ ኣርኣያን ኣምሳልን ዘብለና ክብሪ ድማ እቲ ካብ ካልኦት ፍጥረታት ፍልይ ዘብለና እዩ። ኵላትና ኣብ ፈጣሪ ኣናስር ዘለዎ ክብሪ ኣሎና። ብዙሕ ጊዜ ዝትንክፈኒ ሓቂ ድማ እቲ ናይ ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ምኻንና ክብሪ እዩ። እዚ ዝተዓደለና መንነት’ዚ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከይዲ ታሪኽ ንሱ እቲ ናይ ውሉድነት ክብሪ ዝሃበና ኣቦ ዝመርሓና ምዃኑ ይንገር። ኣብ ናይ ዘፍጥረት ካልኣይ ታሪኽ እግዚኣብሔር ከም እደ ጠቢብ፥ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ ምድሪ ሓመድ ወሲዱ ንሰብ ገበሮ ..” (ኦሪት 2,7) ብቓሉን በእዳውን ቀረጾ ኡፍ ቢሉ ሕይወት እውን ኣንበረሉ፡ ኵለንተና እግዚኣብሔር ኣባና። እግዚኣብሔር ሰብ ኣብ ምፍጣር ኩለንተናኡ ኣዋሰአ። ልዑል ክብሪ ሰብ እዚ እዩ። ኩለንተና እግዚኣብሔር ኣብ ሰብ ከምዝሎ ባዕሉ ኣረጋጊጹልና ኢዩ ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

እዚ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለና ክብሪ ኣናንቆልቆለ ክትሕት ዝክእል እዩ። እዚ ድማ ሰብ ክብሩ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ከእትዎ እንከሎን። ጣዖት ምምላኽ ክጅምርን ኣብ ልብና ተመክሮ ጣዖታውያን ከነንብርን እዚ ድማ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 32 ብብዙሕ መገዲ ክገልጾ እንከሎ፥ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ እንክወጹ ሙሴ ካብቲ ዝደየቦ ጎቦ ኣብ ምምላሱ ስለ ዝደንጐዮም ብዲያብሎስ ተፈቲኖምን ጣዖት ይቐርጹ። እቲ ዝቐረጽዎ ጣዖት ካብ ወርቂ ነበረ። እቲ ወርቂ ዝብል ቃል ትእምርቲ ምድራዊ ሃብቲ ክኽወን እንከሎ፡ ምድራዊ ሃብቲ ስሕበቱ ብርቱዕ ከምዝዀነ ዘመልክት እዩ። ማራኽነት ሃብቲ ዓለም። ሰብ ነዚ ሃብቲ’ዚ ምስ ዘምልኽ ክብሩ የጥፍእ፡ እቲ ኣብ ልቡ ዘሎ መንበሪ እግዚኣብሔር ሃብቲ ዓለም የንብረሉ።

በንጻሩ እግዚኣብሔር ግና ናይ ውሉድነት ክብሪ እዩ ዝሃበና። ካብዚ ሓቅነታውነት ዘሎና ክብሪ ሓደ ሕቶ ይምንጭው። ንሱ ድማ ከመይ ገይረ እየ እዚ ክብሪ’ዚ ዘካፍሎን፡ መታን እወታዊ ሕድሕዳዊ ዕብየት ክረጋገጽ ከመይ ገይረ እየ እቲ ክብሪ ምስ ካልኦት ዝካፈሎን ዘካፍሎን። ከመይ ገይረ እየ እቲ ካልእ እዚ ክብሪ’ዚ ከምዘለዎ ከስተዕል ዝገብር። ከመይ ቢለ እየ ነዚ ክብሪ’ዚ ተላባዒ ዝገብሮ። ምንሻውን ምግፋዕን ኣድልዎነትን ነቲ ክብሪ ኣየላብዕን እዩ፡ ነዞም ሕቶ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእሱ የቕርብ። ነዞም ሕቶ ንገዛእ ርእስና ምቕራብ እቲ ዘሎና ሰብኣዊ ክብሪ ንብጻይና ነካፍሎ ዶ ኣይነካፍሎን ገዛእ ርእስና ክንምርምር ይጠቕሙና እያቶም።

ፍትዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ስለ እቲ እተካይድዎ ዓቢይ ኣገልግሎትኩምን ብሓቂ አመስግንኵል ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ኢኻትኩም ሓደራ ስለይ ምጽላይ ኣይትረስዑ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.