2016-09-13 16:43:00

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፥ ምዝቡል ቁጠባ ንምውጋድ ናይ ዓለም ኤኰኖሚ ዳግም ምሕዳስ


ኣብ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስትን ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ናብ ቅኑዕን ሰብኣውነት ዘማእከለ ኤኰኖሚ ምባልን ኣድላይነት ኣብ ምዕሩይ ምዕባለ ዝተሳዂዐ ናይ ሓድሽ ኤኮኖሚ መስፈርትን ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 21 መስከረም 2016 ዓ.ም. ዝተዳልወ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መግስቲ ሕንጻ ክካይድ ምዃኑ ልኡኽ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫታካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ምኽሪ ደንበ ኣሕዛብ ብዝብል እምነትን ስነ ምርምር ኣማእኪሉ ኣብ መንጐ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ዘካይዶ ናይ ሓባር ዓውደ መጽናዕታዊ ዘተ መሰረት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ ነቲ ደንበ ኣህዛብ ዝብል መደብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣመልኪቶም ዕለት 12 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፉት ቦታን ኩነትን ዝብል ትርጉም ከምዝሃብዎ ዝገለጹ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ  ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ስነ ኤኮኖሚ ኖበል ተሰላሚ ዝዀኑ ፕሮፈሰር ኣንጉስ ደኣቶን ዝሳተፉ ምዃኖም የመልክቱ።

ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካዲናል ራቫዚ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም፥ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ቀረባ ዓመታት ኤኮኖሚ መፈትን ናይ ብዙሕ ለውጥን ናይ ሓደስቲ ለውጥታ ምልክታ ከምዝዀነን ኣብ መንጐ ቁጠባን ኤኮኖምን ዘሎ ርክብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፥ ኤኮኖሚ ዝብል ቃል ከምቲ ግሪካዊ ስርእወ ቃሉ ዝብሎ ቁጠባ ዝምልከት ዘይኰነስ ናይ ቁጠባ መጋበርያ ማለት እዩ። ስለዚህ ቁጠባ ዘመሓድር እዩ እምበር ቁጠባ ንኤኮኖሚ ዝመሓድር ማለት ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ ትርጉሙ እዚ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ እዋንዚ መጋበርያ ምዝቡል ቁጠብ ኰይኑ ንዕቡር ሸቶ ተዳሪጉ ኣሎ። ናይ ሰብኣዊ ስነ ምርምር ሊቅ ኣማርትያ ሰን ኤኮኖሚ ናይ ሰብኣዊ ስነ ምርምር ክፍሊ እዩ ይብሎ፡ ስለዚህ ሓላፍነቱ ከምቲ ስርወ ቃሉ ዝሕብሮ ኖሞስ nomos ብቛንቋ ግሪክ ስርዓት ማለት ክኸውን እንክሎ ኦይኪያ( oikia) ድማ ቤት ማለት እዩ። ስለዚህ ናይታ ዓባይ ቤትና ስርዓት ማለት እዩ። ኣብዛ ናይ ኵላትና መንበሪት ዝዀነት ዓለም ድማ ናይ ስነ ቁጠባ ከይዲ ኩሉ ፍጥረት ዝጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ዘለዎን ዘይብሉን ርኹብን ዘይርኹብን ዘጠቓልል እዩ ስለምታይ ናይ መነባሮ ምሕደራ ማለት ስለዝኾነ እዩ ከዝበሉ ሎ ሞናኰ ኣመልኪቶም።

ናይ ኢጣሊያ ነበር መራሔ መንግስቲ ናይ ደንበ ኣሕዛብ ማሕበር ኣቦ መንበር ጁሊያኖ ኣማቶ ብወገኖም፤ ሕብረተሰብ ብዅሉ ረቛሒታቱ ኤኮኖሚያዊ ተራኽቦነት ዘለዎ እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ነቲ ተራኻብነት ባርይ ዘተሓላልኽ እዩ። ሳዕቤኑ ድማ ብሰፊሑን ብዝገደደ ደረጃ ነቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሃስይ ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጐ ድኻታን ሃብታማትን ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ክፍሊ ዓለም ዘሎ ጋግ ኣዚዩ የስፍሕ ቢሎም እዞም ኣብቲ ናይ ደንበ ኣሕዛብ ማሕበር ነቶም ልክዕ ከምቶም ዝኣምኑ እቲ ሰናይን መከራን ንምፍላጥን ንምልላይን ዝጽዕሩን ኢኣማንያን ዝውልክሉ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናብ ቁኑዕን ሰብኣውነትን ዝዓሰሎ ኤኮኖሚ ምባል ዘለዎ ኣገዳስነት ዘብርህን። ካብ ከይዲ ኤኮኖሚ ዓለም ግሉል ከይህሉን ዝድግፍ መገዲ ዝሕብር እዩ። ኣብ ከይዲ ኤኮኖሚ ቀንዲ መንቀሊ ቅልውላው  ድማ ግሉልን ዘይግሉልን ዝብል ኣካይዳ ኣብ ምወዳእታ ናይ ቀረባ ዓመታት ዝተርእየ ምርጫ እዩ። እዚ ዓይነት ኤኮኖሚ’ዚ ድማ ዘይተመዓራረየን ማዕርነት ኣልቦ ኩነትን ኣብ ሕብረተሰብ ብዘሰንብድ ኩነት ክብ ክብል ይድርኽ ኣሎ። ጠሪሹ ተቐባልነ ዘይብሉ ዓይነት ከይዲ ኤኮኖሚ እዩ ከምዝበሉ ሎ ሞናኰ ገሊጾም።

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መግስቲ ማንቺኒ፥ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ኣርአያ ኣድላይነቱ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ናይ ኤኮኖሚ ዕብየት ዘይኰነስ ዕበይት ናይ ዘይ ተመዓራረየ መነባብሮ እዩ ዝሰፍሕ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፉ ዕስራታት ዓመታት ናይ ምዕራብ ዓለም ከይዲ ኤኮኖሚ ከም ናይ ምዕባለ ኣርአያ ተገይሩ ዝሕሰብ ዝነበረ ድኽህነትን ዘይተመዓራረየ ሕይወት ክሰፍሕ ዳሪጉ እዩ። እዚ ኩነት’ዚ ኣርኣያ ሓድሽ ከይዲ ኤኮኖሚ ዘለዎ ኣድላይነት የረጋግጸልና፥ እዚ ሓድሽ ኤኮኖሚ ሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከምዘለዎ ምልክታ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኮ ኣስዒቦም፥ እዚ ሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ ኤኮኖሚ ኣብ ፍጻሜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተተግቢሩ ማሕበራዊ ሕጋውነት ብምርግጋጽ ዓቢይ ውጽኢት ኣዕቲሩ እዩ። ስለዚህ እቲ እዋናዊ ኩነት ድማ ነቲ ዓይነት ለውጢ እዩ ዝጠልብ።

ኩነታት ቅልውላው ኤኮኖሚ ማሕበራዊ ኩነት ዘናውጽን ንምርግጋእን ሰላምን ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ህልው ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነት ዓለም ዝምስክሮ እዩ። ሸሞንተ ሚሊዮን ሕዝቢ ዓለም ብጥምየት ዝሳቐን ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ ዓለም 80% ዝሽፍን ካብቲ ዘሎ ናይ ክንክን ጥዕና 6 ሚእውታዊ ጥራሕ ዝበጽሖ ክኸውን እንከሎ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም እቲ ሓደ ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ሃብቲ ዓለም ነቲ 50 ሚእታዊ ዝሽፍን ዝውንን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓለም ድኽነትን ዘይማዕርነትን ዘስፍሕ ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሰመረሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.