2016-09-07 09:41:00

ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል፥ ምርኻብ ኣብ ጊዜ ፍራንቸስኮ


ኣብ ቀረባ ምዃን ከይዲ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ሓሙሽተ ከፍለ ዓለም ብጠቕላላ ካብ 18 ሃገራት ዝተዋጽኡ ተጋባእያን ዘሳተፈ  ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ዘዳለዎ ሓምሻይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 5 መስከረም ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተራኽቦነት ኣብ ኣዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ ከምእተጀመረን ኣብቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብፁዕ ካርዲና ፐልን ብፁዕ ኣቡነ ካሚለይሪን ኣባ ጂኖ ስይልቫንን የኔታ ኣባ ሩይዝን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከን ኣስተምህሮ ካብ ዝቕረቡ ምዃኖም ክጥቀስ እንከሎ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣሰናዳኢ ኰሚቴ ኣባል ፕሮፈሰር ዳኒየል ኣራሳ ምስ ራዲዮ ቫቲካ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ንጋዜጠይናታ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ዜናታት ኰነ ካልኦት ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ኣርእስታት ኣማእኪሎም ኣብ ዘመሓላልፍዎ ሰነዳትን ዝገልጽዎ ሓሳብን ብቑዕ ኣፍልጦ እንታይነት ቤተ ክርስቲያን ክህልዎም ዝድግፍ መጋበርያ ዘቕርብ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ቫቲካንን ተቛማቱን ምፍላጥ የድሊ ቤተ ክርስቲያን ቢልካ ክትዛረብ ሃገረ ቫቲካን ክትብል እንከለኻ እንታይ ማለት ምዃኑ ምፍላጡ የድሊ ብዙሓት ቤተ ክርስቲያን ክብሉ እንከለዉ ምስ ቫቲካን የደናግርዎ ቫቲካን ክብሉ ድማ ምስ ቤተ ክርስቲያን ስለዚህ ነዚ ኹሉ ምፍላጥ የድሊ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ቤተ ክርስቲያንን ተቛማትን ሃገረ ቫቲካንን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ንኣብነት ሓበሬታ ብዛዕባ ሃይማኖትን ስነ ምህዳርን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ዘተን ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ብዛዕባ ስነ ሕይወትን ካልኦን ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዘለዋ ቅዉም ሓሳብ ርድኢት ክህልዎም ዝድግፍ ኰይኑ ካብዚ ነቒሉ ዛዕባ ውህበትን ውበትን ጭቡጥ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንጹር ኣልጦ ክህሉ ዝገብር እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መራኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ይዝግቡን ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ሰነዳት እውን የመሓላልፉን ዜናታት እውን የቕርቡ እዮም። እቲ ዘቕርብዎ ምስቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሉኡ ሓሳብን ዝዛመድ ድዩ ኣይኰነን ክንርዳእ ይግባእ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባኣ ትብሎን ክዋኔኣን እንታይነታን ካብቲ ንሳ እትብሎ ምፍላጥ ወሳኒ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተራኽቦ ሰብ እዮም መራኸቢ ብዙሃን ድማ ብዛዕባኦም በቢ ዕለቱ ሓደ ነገር ከይበላ ኣይሓልፋን። ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ካብቲ ዝካይደሉ ዘሎ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ወጻኢ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ውሽጢ ዓውደ ዕዮ ከካይድን ምስ ቅዱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ዝካይድ ርክብ ክህሉ ምዃኑ ኣሊጦም።

ንናይ እናቴ ብፅዕት ተረዛ ዘካልኩታ ቅድስና እዋጅ ዕለት 4 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ከይድታቱን ኩሉ ብዓለም ሓቖፍ ደረጃ ዓቢይ ሽፋን ተዋሂብዎን ብዙሕ ትንተናን ክቐርብን ዜናታት ተመሓላሊፉን እዩ። ሕርየት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝወሃቦ ኣዚዩ ዝዓበየ ሽፋን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብሓጺሩ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንናይ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ስሕበት እያ ክበሃል ይከኣል። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ዓበይቲ ኣርእስታት ዓለም ፖለቲካውን ማሕበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዝህብዎ ሓሳብን ዘቕርብዎም ኣስተህሮታት ብዙሕ ሽፋን እዩ ዝወሃቦ ንብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ሕዝቢ ዓለምን ድማ መወከሲ ሓሳብን ምዕዶን መርሕ ሓሳብ ኰይኑ ይረአይ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኩለ መናኣ ምፍላጥ የድሊ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ ነዚ እዩ ዘብርህ እንክብሉ ዘካድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.