2016-09-07 09:46:00

ደቡብ ሱዳን፥ ጻውዒት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሱዳን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ተልእኾ ክበራታዕ


ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብታ ሃገር ሰላም ንኽረጋገጽ ኣሚቱ ሕቡራት መግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ንምልኣኽ ዘለዎ ውሳኤ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሃቦ ውሳኔ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቪኣ ኪር ንኽቕልዎን ካብኡ ሓሊፉ መኸላእታ እንተ ድኣ ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ውሳኔ ማዕቅብ ክመሓላለፍ ምዃኑ ሓባሪ ዘተ ንምክያድ ኣሚቲ ምስኦም ንምዝታይ  ኣብ ሃገሮም ምስ ዝኣተዉ ናይ 15 ሃገራት ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነት ቤት ምኽሪ ኣባላት ሃገራት ልኡካን ተራኺቦም ሓሳብ ከምዘቕረቡ ክምልከት እንከሎ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ሱዳን 4 ሺሕ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ኣባላት ዘለዎ ዓቃቢ ሰላም ኣድላዪ እዩ ዝብል ናይ ሃገሮም መንግስቲ ሓሳብ ከምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሊኖ ሉኩዱ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክሰፍር ዘለዎ ኣዚዩ ኣገዳስን ሕጹጽን እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ኣብታ ሃገር ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዳኒኤል ደንግ ቡል ነቲ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ሉኩዱ ሓሳብ ደጊፎም ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቦምን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነት ኣዚዩ ዘስክፍን ሓደገይና እውን ምዃኑ ኣብ ጁባ ምስ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ባኪታ ምስ እተሰምየ ራዲዮ ካብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ክፍለጥ ተኻኢሉ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.