2016-09-03 16:23:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘፍጥረት


ዕለት 1 መስከረም 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘፍጥረት ኣብቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሪሑ ኣብ ዝዓረገ ጸሎተ ዘሰርክ ተሳቲፎም ስብከት ዘስምዑ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮም ካንታላሜሳ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፥ ሉኣላውነት ሰብ ኣብ ልዕሊ ቆምዝሞስ ተዓዋትነት ዘይኰነስ ንድኻታትን ድኹማትን ድምጺ ንዘይብሎም ዝተነጸሉን ዝኸላኸል ዘይብሎም ዜጋታት ቀረባ ብምዃን ስሌኦም ሓላይ ናይ ምዃን ሓላፍነት ምንበር ማለት እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዘፍጥረት ናይ ወዲ ሰብ ዓቢይ ሓላፍነት ድማ ንእግዚኣብሔር ብዝፈጠሮ ነገራት ኩሉ ምውዳስ እዩ ቢሎም እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ካብቲ ህሩፍ ጠሪሹ ዘይረውይ ተፈጥሮ ንትርፋ ትርፊ መኽሰብ ምምዝማዝ ዝብል ምዝቡል ድላይ ምቁጽጻር የድሊ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኢጣሊያ ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ናይ ከተማ ራቨና ጳጳስ ዝነበሩ ሰብ ጸላይ ሰማይን ምድርን ኩሉ ፍጥረት ስሌኡ ዝተፈጥረ ብምዃኑ ገዛእ ርእሱ ከስተናዕቕ የብሉን ይብል። ስለምታይነት እዚ ሓሳብ ኣባ ካንታላሜሳ እንክትንቱ ድማ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቅድሚ ዘፍጥረት ነገረ ሰገራዊ ባህርይ ስለ ዘለዎ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ሉኣላውነት ሰብ ኣብ ልዕሊ ዘፍጥረት ተዓዋትነት ዘይኰነስ ሓላፍነት እዩ እዚ ሓላፍነት’ዚ ድማ ሓልዮት ንድኻታትን ተኸላኻሊ ንዘይብሎም ገዛእ ርእሶም ክከላኸል ንዘይክእሉ ትሕቲ ዕድመን ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከቡ ሓልዮት ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ሰብ እንክፈጥር ተራኻብነት ባህርይ ለበስ ገይሩ ብኣምሳልን ኣርአያን ቅድስቲ ስላሴ ዝፈጠሮ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ፍጥረታት ዓብላልን መዝማዝን ማለት ዘይኰነስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይተዓጽወን ንኣይነት ብምውጋድ ሰብኣውነት ለበስ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። ናይ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ከምኡ እውን ብኻልኦት ሃይማኖታት ዝግለጽ እግዚኣብሔር ናይ ድኻታትን ሕዙናትን ኣውያት ሰማዒ እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ናይ መኽሰብን ትርፈ ትርፍታት ሓጎስ ንተፈጥሮ ዕንወትን ንሰብኣዊ ፍጥረት ድማ መከራ እዩ

ትስብእቲ ስለ እቶም ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉን ድኻታትን ብዘይ ባህላውን ዓሌታውን ፍልልያት ሓልዮት ዝብል ውሽጣዊ ባህርይ ዘለዎ እዩ። እግዚኣብሔር ሰብ ጥራሕ ንምዃን ዝተሰብአ ዘይኰነስ ትስብእቱ ድኻን ድኹምን ተኸላኻሉ ዘይብሉ ሰብ ኰይኑ ከምዝመጸ የረጋግጸልና። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብናይ ሕይወት ተመክሮኡ ድማ ናይዚ ናይ ትስብእቲ ምዃናዊ ባህርያቱ ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሮ እዩ። ነቲ ድሓር ቲዮሎጊያ ድኻን ትሑትን ወልደ እግዚኣብሔር እንክብሉ ዝተንተኖ ከምዝዀነ ድማ ኣባ ካንታላሜሳ ኣብሪሆም። ኣብ ወልድ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንድኽነትን ፍቕሪ ንዘፍጥረትን ተኣሳሲሮም እዮም ዝኸዱ ከምዝበሉ ዲኒኒ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ብምስትውዓል ድማ ናይታ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ መንጐ ድኻታትን ናይ ዘፍጥረት ተነቃፍነትን ዘለዎ ጥብቂ ተኣሳሳርነት ዓንዲ ገይሮ ኣብ ልዕሊ ከባብን ብሓፈሻኡ ኣብ ልዕሊ ምህዳርን ብኢደ ሰብ ዝወርድ ማህሰይቲ ካብቲ ናይ ወዲ ሰብ ዘይረዊ ድላይ መኽሰብን ንኣይነትን ዝምባለ ዝምንጭው ምዃኑ የገንዝቡ። ኣባ ካንታላሜሳ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ዕለት 24 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ዝተኸስተ ርእደ መሬትን ዘስዓቦ ናይ ሰብን ንብረትን ኪሳራ ጠቒሶም ሰብ ናይ ዘፍጥረት ገዛኢ ኣይኰነን በቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ምኽንያት ብዙሓት እቲ እግዚኣብሔር ኣበይ ኔሩ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ድማ ከምእተሰምዐ ዘኪሮም፥ እግዚኣብሔር ዘፍጥረት ልክዕ ከም ሓደ ኰምፒተር መዲቡ ኣይኰነን ዝፈጠሮ እንታይ ደኣ ዘፍጥረት ኩሉ ነጻነት ለበስ ገይሩ እዩ ዝፈጠሮ። ስለዚህ ስቓይን መከራን ክወርድ እግዚኣብሔር ኣበይ ኔሩ ንዝብል ሕቶ መልሱ እግዚኣብሔር ኣብ ስቓይናን መከራናን ምስና ሓቢሩ ኔሩ ዝብል እዩ መልሱ ዝኸውን ምስቲ መእለዪ ዝሓትት ኰይኑ በራትና ይንኳሕኵሕን ምስቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኰይኑ ድማ ማዕጾ መንግስተ ሰማያት የንኳሕኩሕ።

ስለ ዘፍጥረት ንእግዚኣብሔር ውዳሴ

እቲ ማእከል ስለ ዘፍጥረት ንእግዚኣብሔር ውዳሴን ምስጋናን እዩ። ስለ ማያትን ካባቢ ኣየርን ንሓደጋ ንዝቃላዕ ዓይነት ኩሉ ዝተፈላለየ ፍጥረት ምክልኻልን ናይ ሰብ ሓላፍነት እዩ። ንእግዚኣብሔር ምስጋና ዘይኰነ ስነ ምህዳር ልክዕ ከም ሓደ ብመስቲያት ዝተሰረዔ መልክዓ መሬት ዘርእይ ስራሕ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ ማለት ብርሃን ኣልቦ ምህዳር ማለት እዩ። እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘስዊድን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዶመኒካዊ ካህን ብፁዕ ኤንሪኮ ሱሶነ ከምዝብሎ፥ ንሕና ኣመንቲ ናይቶም ዘይሕይወታውያን ማለት ናይቶም ኣልቦ እስትንፋስ ድምጺ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቶም ናይ እምንት ጸጋ ዘይብሎም ኣሕዋትናን እውን ድምጺ ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና ዝበሎ ጠቒሶም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብምኽንያት ዘፍጥረት ይጽልይ። እዚ ጸሎቱ’ዚ ድማ ናይ ምስጋና መዝሙር እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን ኣተሓሒዘን ድማ፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንኹሉ ፍጥረት ናብ እግዚኣብሔር ጸሎት ምስጋና ገይሩ ይምልከቶን የኽብሮን ኩሉ ዓይነት ፍጥረት ጸሎት ንእግዚኣብሔር። እዚ ኹሉ ሓሳብ’ዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምን ናቶም ገይሮምን ነታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብምቕራብ ሓደ ስለ ዘፍጥረት ንእግዚኣብሔር ምውዳስን ምስ ዘፍጥረት ድማ ብሓባር እግዚኣብሔር ምውዳስ ብዝብል ዓይነት ጸሎት ይድምድምዋ። ስለ ውህበትን ውበትን ስራሕ ኢደ እግዚኣብሔር ነመስግን ይብሉ። በዚ ምኽንያቲ’ዚ እዩ ድማ ኣብ ዓለም መዓልቲ ዘፍጥረት ክኽበር ገይሮም እነሆ ድማ ለምዝበን ካልኣይ ዓመቱ ነብዕል ኣሎና እንክብሉ ሰስምዕዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.