2016-09-03 16:20:00

ንመላእ ዓለም ዘራኽብን ዘተሓባብርን ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ብፅዕት ተረዛ ዘካልኵታ


ዕለት 4 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እናቴ ብፅዕት ተረዛ ዘካልኵታ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ መሰረት ቅድስና ክትእውጅ እያ። ብርግጽ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓርግ ስርዓት ቅዳሴ ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ተረዛ ንኽሳተፍ ሮማ ዝኣተወ ሕዝቢ ብጠቕላላ ክትግምቶ ዘይከኣል ምዃኑ ክንገር፡ ኣብቲ ናይ ቅድሴ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ዘብቅዕ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ቲከት ካብ ሚእቲ ሺሕ ንላዕሊ ከምእተዓደለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ብዛዕባ እቲ ናይ ቅድስና ኣዋጅ ኣመልኪቶም ዕለት 2 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩን ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይቲ ብእናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ዝተመስረተ ማሕበር ናይ ፍቕሪ ልኡኻት ማሕበር ደናግል ጠቕላሊት ሓለቓ እናቴ መርይ ፕረማ ፒየሪክን ናይ ፍቕሪ ልኡኻት ካህናት ጠቕላሊ ሓለቓን ናይ እናቴ ተረዛ ብፅዕና ደሓር ድማ ቅድስና ንኽእወጀለን ዘብቕዕ መሰረተ ሓሳብ ኣቕራብን ኣባ ብሪያን ኮሎዳጅዙክን ብኣማላድነት ብፅዕት እናቴ ተረዛ ካብ እግዚኣብሔር ናይ ፈውሲ ምሕረት ዝተዓደሉ ማርሲሊዮ ሃዳህ ኣንድሪኖ እውን ብምስታፍ ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ግረግ ብሩከ ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ብፁዕት ተረዛ ዓቢይ መንፈሳዊ በዓልን ብዘይ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልይ መላእ ዓለም ዘተሓባብር ዓቢይ ፍጻሜ ምሕረት ምዃኑ ኣብቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተመልኤ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣዳራሽ ኣብ ዘስምዐዖ ዘረባ ኣመልኪቶም እዚ ቅዱስ ኵነት ብዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ድምጸ ርእየት መርበብ ሓበሬታ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ከምዝተሓላለፍ ገሊጾም ናይ ምሕረት ዓመት ልዑል ፍጻሜ ድማ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

እናቴ መርይ ፕረማ ብወገነን ኣብ ዘስምዐኦ ዘረባ፥ ፍሽኽታ ብፅዕቲ እናቴ ተረዛ ንዅላትና ዓቢይ ህያብ እዩ ቢለን እዘን ጠቕላሊት ሓለቓ ቀጺለን ምስ እናቴ ተረዛ ኣብ 1980 ዓ.ም. ከምእተላለያን ሕይወተን ከም ፍስሓ ዝነብራን ኵለንተናኤን ቃለንን ተግባረንን ናብ ጐይታን ናብ ብጻይን ብዘቕንዔ መንፈስ ዝትርጉማን ምንባረን ከምዘስተዓላን ገሊጸን እዚ ኣብነት’ዚ ድማ ንዔአንን ንመላእ ደናግል ኣባላት ማሕበር ልኡኻት ፍቕሪ ኣብነትን ኰይኑ ኣብ ተስፋ ዘይምቑራጽ ዘተባብዕ እውን እዩ። ፍሽኽታኤን ንኢየሱስን ንኹላትናን ዓቢይ ህያብ እዩ። እዚ ህያብ ፍሽኽታ’ዚ ድማ ሕዙን ልቢ ከይህልወካን ዝድግፍን ካብቲ ንኢየሱስ ካብ ዝነበረን ፍቕሪ ዝምጭው ፍስሓን ተስፋን ክተስተማቕር ዘበራትዕ እዩ፡ ሕይወተን ከምቲ ንሰን ዝብልኦ ዝነበራ ካብ ፍቕሪ ንኸነፍቕር ዝተፈጠርና ምዃንና ዝምስክር እዩ ከምዝበላ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣባ ብራይን ኮሎዳይጅቹክ እውን ይብሉ ቅድስና እናቴ ተረዛ ንዅሉ፥ እዚ ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ተረዛ ኣብዚ ኣብ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ምብዓሉ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘለዎ ልዑል ክብሪ ዝምስክር እዩ። እናቴ ተረዛ ኣብ ኩሉ ናይ ምሕረት ትእምርቲ ኰይነን ዝነበራ ብምዃነን ድማ እዩ። ደላይትን ጽምኢ ሓልዮት እግዚኣብሔርን ዘለዎ ሕይወት ዝነበራ እየን ቢሎም እቲ ናይ እናቴ ተረዛ ቅድስና ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ እዩ። ኣብ ድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎ ስቓይ ክርስቶስ ብምግልጋል ከምቲ ዝብልኦ ዝነበራ ኦ እግዚኣብሔር ኣፍቅረኒ ንዅሉ ኣፍቅር ንነፍሲ ወከፍና ድማ ኣፍቅረና እንክብላ ንዝጽልይኦ ዝነበራ ጸሎት ብቓልን ሕይወትን ዝመስከራን ኣብ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝቕጽል ስቓይ ኢየሱስ ዘለለያን ዘገልገላን እየን። ነቲ ብለብዐ ትረት ልቢ ዝሳቐይን ብዓመጽን ጽልእን ዘዕለቕልቕ ዓለም ቀረባ ኰይነን ስቓይናን መከራናን ግብረ ኽፍኣትናን እግዚኣብሔር ቀረባና ኰይኑ ዝምሕረና ምዃኑ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝመስከራ እየን ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም፥

ኣስዒቦም እውን እቶም ብዓይነት ናይ ሓንጎል መንሽሮ ተጠቒዖም ሓኻይም ዝከኣሎም ኩሉ ምስ ገበሩሎም ክሓውዩ ከምዘይክእሉን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ሞት ከምዘብጽሖም ምስ ነገርዎም ኣቶም በዚ ሕማም ዝተተቕዑ ብራዚላዊ ማርሲሊኦ ዮሃዳድ ኣንድሪኖ ምስ በዓልቲ ቤቶም ፈርናንዳ ኰይኖም ብማላድነት እናቴ ተረዛ ፈውሲ ካብ እግዚኣብሔር ጸልዮም ብሰብ ክንገር ብዘይከኣል ብምሕረት እግዚኣብሔር ናይ ፈውሲ ጸጋ ዝተዓደሉን  ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ምሕዋዮም እውን ንሓኻይም ዘደንጸወ ኰይኑ ስለ እቲ ብኣማላድነት እናቴ ተረዛ ዝተዓደልዎ ናይ ፈውሲ ጸጋ ተንቲኖም በማላድነት እናቴ ተርዛ ንዝተቐበልዎ ንምሕረትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ምስጋና አቕርብ ከምዝበሉ ገሊጾም፡ ኣብ መደምደምታ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ብሩከ እቲ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላት ተዓጂቦም ዘዕርግዎ ናይ ቅድስና እዋጅ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ዝመሓላለፍ ከምዝዀነን ድሕሪ ፍጻሜ ድማ እቲ ዝተገብረ ኩሉ ስነ ስርዓት www.motherteresasaint.com ብዝብል መርበብ ሓበሬታ ምክትታል ይከኣል ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.