2016-09-02 15:56:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ክንክን ተፈጥሮ፥ እግዚኣብሔር ስለ ዝጸገወና ነገር ኵሉ ክንጽልዮን ክንባዀን


ዕለት 1 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘፍጥረት ተባሂሉ ክበዓል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ከምዝወሰኑ እንክዝከር በዚ ምኽንያት’ዚ እነሆ ሎሚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ዘሳተፈ ኣብ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ዘሰርክ ከምእተፈጸመ ክምልከት እንከሎ በዚ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘጥረት ምኽንያት ድማ ጳጳሳዊ ናይ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሰጉንዶ ተኻዶ ሙኞዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘፍጥረት መሪሕ ቃል፥ ምሕረት ንናይ ሓባር ቤትና ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፥ ስለ ትዕድልቲ ዘፍጥረት ምጽላይ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ንኹለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምእመናንን ዝዕድም ከምዝዀነን እዚ ጸሎት’ዚ ድማ እግዚኣብሔር ስለ ዝዓደለና ዘጥረትን ብፍላይ ድማ ስለ ሕይወትን ፍጥረትን እቲ ዅሉ ኣብ ፍጥረት ብዘሎን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይዜባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዝሕብርዎ ስለ ናይ ሓባር ቤትና ንምጽላይ ዝዕድም እዩ።

ቅድም ቀዳድም ስለ’ዚ ዕድሎት’ዚ እግዚኣብሔር ምውዳስን ብፍጥረት ኣቢሉ እግዚኣብሔር ምሳና ዝራኸብ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ሕይወት ንእግዚኣብሔር ይውድስ ፍጥረት ኩሉ ውዳሴ ንእግዚኣብሔር እዩ። ስለዚህ ዘፍጥረት ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ጸሎት እዩ። ፍጥረት ብዛዕባ እግዚኣብሔር ይዛረቡ ዘፍጥረት ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውፋይ ትርጉም ዘለዎ ናይ ክርስቶስ ምስጢር ዘበስር እዩ። እቲ ጸሎት ንእግዚኣብሔር ዝዀነ ኵሉ ፍጥረት ብዝተፈላለየ መገዲ ይደምይን ንዝተፈላለየ መጉዳእቲ ተቓሊዑ ይርከብ ኣሎ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ መዓልቲ ዘፍጥረት ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ንኸነስተውዕል ንጽዋዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዘጥረት ኩሉ ዘሎና ሓላፍነት እንታይ ምዅኑ ዘዘኻኽር ዕለት እውን እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ሓደ ፈላስፋ ትውልደ ኰሎምቢያ “ምፍቃር ማለት ኩሉ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምጥማት ማለት እዩ ይብሉ፡ ዘፍጥረት ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምጥማት፡ እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ተዘኻኽረና። ምስ ፈጣርን መድሕንን ዝዀነ ፈጣሪ ኵሉ ምስ ዝዀነ እግዚኣብሔር ዘሎና ርክብ እትድግፍ መዓልቲ እያ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዕልቲ ዘፍጥረት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክምልከት እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ መልእኽቲ ከዘመሓላለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.