2016-09-01 18:39:00

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ክግበር የብሉን! ኢየሱስ ተጐስዮም ንዘለው ናጻ የውጽእ! ር.ሊ.ጳ


 

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘስተምሃርዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻው ትምህርተ ክርስቶስ ‘ኢየሱስ ነቶም ማሕበረሰብ ዓለም ዝጐሰዮም ናጻ ገሩ ክብሮም ይመልሰሎም’ ንምሳሌ ናይታ ደም ዝፈሳ ዝንበረ እሞ ብልባ ‘ዘፈር ባርኖሱ እንተተንኪፈ ክሓዊ’ ብማለት ጫፍ ልብሱ ብምትንካፍ ዝሓወየት ሰበይቲ ብሰፊሑ ተንቲኖም፣

ቅዱስነቶም ከም መበገሲ ትምህርቶም ዝተጠቅሙሉ ካብ ወንጌል ማቴዎስ 9.20 ዝተስደ ኰይኑ ‘እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። ኢየሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት።’ ዝብል ጥቅሲ እዩ፣

እዛ ሰብዚኣ ይብሉ ቅዱስነቶም! እዛ ሰብዚኣ ካብቲ ናይ ሽዑ ማሕበረሰብ ብኩሉ ሙሉ ዝተነጸለትን ዝቀርባስ ይኹን እትቀርቦ ሰብ ዘይበራ እያ፣ ከመይ ደም ይፈሳ ስለዝነበረ ከም ርኽስቲ ተፈሪዳ ልክዕ ከምቲ ንለምጻማት ዝተዋህበ ውሳኔ ኣብ ርእሲኣ ስለዝነበረ ካብ ኩሉ እተነጸለት ፍንፍንቲ ንብሕታ እትነብር ነራ፣ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት 15 ካብ ፍቅዲ 19 ጀሚርና እንተንበብና እቲ ባህርያዊ ጽግያት ከይተረፈ ከም ርኽሰት ተቈጺሩ ንሸውዓተ መዓልቲ ከምትረክስ ዝተንከየቶ ዝተንከያ ኩሉ ከም ዝረክስ ብዘመልክቶ እዛ ሰብ እዚኣ ዝቀርባን እተቀርቦን ኣይነበራን፣ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ብዛዕባኣ ተመዝጊቡ ኣብ ዘሎ ታሪኽ ናብ ብዙሓት ሓካይም ከምዝኸደትን ምንም ከምዘይጠቀማን ይገልጽ፣ ስለዚ እንኮ ምርጫኣ በይና እናተሳቀየት ምንባር እዩ፣ ኣብዚ ከምዚ ኩነት እንከላ እያ እምበር እንኮ ከድሕና ዝኽእል ኢየሱስ ምዃኑ ብምእማን ንእሽቶይ ጉርሒ ተኣንጊባ ማንም ከይረኣየ ‘ዳርጋ ከም ስርቂ ማለት እዩ’ ንዘፈር ክዳኑ እንተተንክየ ክሓዊ እየ ብዝብል ዓሚቊ እምነትን ዓቢ ተስፋን ሰጐመት፣ እዚኣ ስጉምቲ እዚኣ ከኣ ኢየሱስ ካብቲ ዝነበረቶ ሕማም ብምፍዋስ ጥዕና ክህባን ካብቲ ባህላውን ሃይምኖታውን ምጉሳይ ሓራ ኣውጺኡ ሰብኣዊ ክብራን መሰላን ይመልሰላ፣

ምናልባት ‘ከመይ ዝበለ ማሕበረሰብን ሰባትን እዮም ነሮም! ከምዚ ጌሮም ሰብ ዘጓንዩን ዘሳቅዩን’ ዝብል ሓሳብ ክቀላቀለና ይኽእል ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም! ኮይኑ ግን ሎሚውን እዚ ጉዳይ ናይ ሌላን ጉሌላን ምናዳኸኣ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ብምሃብ ዳርጋ ካብቲ ናይ ቀደም ዘይሰንፍ ጌጋ ይፍጸም ኣሎ፣ ቤተክርስትያን እውን እንተኾነት ካብዚ ነጻ ኣይኮነትን፣ ነዚ ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ እዚ ብምፍዋስ ሓርነት ናብ ዘልብስ ሓቂ ዝመርሕከስ ቃል ወንጌል እዩ፣ ኢየሱስ ናይዛ ሰብይቲ እዚኣ እምነት ብኣድናቆት ይገልጾ! ‘ኣጆኺ እምነትኪ ኣሕውያትኪ’ እንክብል ነቲ ዓቢ ተስፋኣ ናብ ድሕነት ለወጦ፣ ምስ ኢየሱስ እንክትራኸብ ኩሉ ይኽፈት! ናይ ኩሉ ጊዜን ኩሉ ቦታን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እንተደኣ ምሳኡ ተራኺቦም ናይ ነጻነትን ናይ ድሕነትን መንገዲ ይኸፍተሎ፣

‘ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና ኮይኑ ግን ኢየሱስ ብምሕረቱ ይምሕረና፣’ ናይዛ ሰበይቲ ታሪኽ እንተተመልከትና ዘፈር ልብሲ ኢየሱስ ምስ ተንከየት ምስ ኢየሱስ ዓይኒ ንዓይኒ ይጋጨው። ከም ኣተሓሳስባና ንቈይቊን መግናሕትን ምተቀዳደምና ኮይኑ ኢየሱስ ብምሕረትን ብርሕራሔን ይቅበላ ከም ግላዊ መድሕና ከኣ ንርእሱ ይቅርበላ ክብራ ይመልሰላ፣ እዚ ከኣ ንኩልና ኣኽል ታርፍ ኣብነትን ትምህርትን ዝጽበየና ጸጋን እዩ ከመይ ብሓጢኣት ካባኡ ምስ ረሓቅናና ዝተገለልና ኰይኑ እንክስመዓና ነዚኣ ንዘክር፣

‘ሎሚ ንዓና ሓጢኣተኛታት ንዝኾና ኲልና ናኣሽቱን ዓበይትን ሓጢኣተኛታት ንዝዀና! ጐይታ ‘ኣጆኻ/ኺ ንዓ/ዒ! ዝተጓነኻ/ኺ ኣይኮንካን/ክን። ኣነ ምሒረካ/ኪ እየ። ሃንጐፋይ ኢለ ኣብ ሑቊፈይ እቅበለካ/ኪ’ ይብለና፣ ምሕረት እግዚኣብሔርከስ ነዚ ይመስል፣ ከምዛ እዛ ኣብ ወንጌል ተጠቂሳ ዘላ ሰበይቲ ዝገበረቶ፣ ትብዓት ተዓጢቅና ናይ ሓጢኣትና ምሕረት እናለመንና ናባኡ ንኺድ! ንቅድሚት ከኣ ንመርሽ፣ ምሕረት ኢየሱስ ንግለሰባት ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ቤተ ክርስትያን እውን ንነፍሲወከፍ ወዲ ኣዳም ክትረክብ ኣየናይ መንገዲ ክትክተል ከምዘለዋ ንጹር መንገዲ ይሕብራ፣

ርግጽ እዩ ብዙሕ ግዜ ዘሕፍር ነገር ዝፈጸመ ሓጢኣት ዝገበረ ከምዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ንነገራት ተሓቢኡ ክገብሮ ይፍትን፣ ኢየሱስ ብክልተ እግርና ደው ከም እንብል ገሩ ክብርናን መሰልናን ኣልቢሱ ምሉእ ምሕረት ይህበና’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.