2016-08-04 16:44:00

ናይ ክራኩፍ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ወሃቢ ቃል


እቲ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዕለት 27 ሐምሌ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ኣብ ክራኩፍ ዝተኻየደ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ነሐሰ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶ “ነቢያዊ ምልክታ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያ ኣመልኪቶም ናይ ክራኩፍ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ወሃቢ ቃል ዶሮታ ኣብደልሙላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ጠቒሰን ኵሎም መንእሰያት ካህናት ብፁዓን ጳጳሳትን ካልኦትን ኣብቲ መዓልቲ መንእሰያት ዝተሳተፉ እቲ ናይ ክራኩፍ መዓልቲ መንእሰያት ከም ሓደ ደረጃ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕዳሴ ተጀምሮ እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን መንእስያት ሰማዒ እዝንን ዘስተውዕሎም ልቢ ከምዘሎ ዘረጋግጸሎም ኩነት እውን ምንባሩ ባዕሎም እቶም ተሳተፍቲ ዝምስክርዎ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ክራኩፍ መዓልቲ መንእሰያት ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣስተንፍሶ እዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣብ ፖላንድ ኰነ ኣብ መላእ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ርኡይ ተስፋ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ይብላ ኣብ ናይ ዕለት 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መንእሰይ ወለዶ ናይቲ ብዝተፈላለየ ዓመጽን ጽልእን ኣብ ዝደምይ ዘሎ ዓለም ናይ ተስፋ ምልክታ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ ዝበልዎ ኣብቲ ናይ ክራኩፍ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተመስኪሩ እዩ።

ንመንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላእ ክፍሊ ሕብርተሰብን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣስተንፍሶን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕዳሴ ጐዳና ሓደ መድረኽ እዩ። ከምዚ ምዃኑ ድማ ካብ ቃል ቅዱስ ኣቦናን ተሳተፍትን እነስተውዕሎ ሓቂ እዩ። እቲ መዓልቲ መንእሰያት ክጅመር ዝነበረ ሓጐስን ክዛዘም ድማ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካይድ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት የራኽበና እናተበሃሃሉ ኩሎም ክሰነባበቱ ኣብ ገጾም ድሮ ምልክታ ናፍቆት ይረአይ ነሩ። እዚ ምልክታ’ዚ ድማ ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ምልክታ እዩ። እቲ ምስንብባት ክንራኸብ ኢና ተስፋ ሰነቕ እዩ ነሩ። ቅዱስ ኣቦና እውን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መዕጸዊ  ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ናይ ቅርዓት ምሕረት ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሰላም የራኽበና እንክብሉ እዮም ዝተፋነው። ክርስቲያን ወዲ ተስፋ እዩ ምስ በላ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብዙሓት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩን ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም እውን ዝርከቡ መንእሰያ መንነት ቤተ ክርስቲያን ብዕምቆት ከስተውዕሉ ገይርዎም እዩ፡ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብነቢያዊ ርእየት ዘበገስዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን መንነት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽን ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ቅዱስ መደብ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.