2016-08-02 17:15:00

ብፁዕ ካርዲናል ድዝዊች፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ክራኩፍ ብሉጽ መዓልቲ ኣብ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት


ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ኣብ ፖላንድ ብሓቂ ፍጻሜታቱን ከይድታቱ ኩሉ ዘዕግብን ደስ ዘብልን ከምዝነበረ ናይታ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘእንገደት ከተማ ክራኩፍ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ድዚዊች ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ እቲ ሓዋርያዊ መገሻን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብጽቡቕ ምክንያዱ ብሓቂ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ከተማታት ፖላንድን ኣባይቲ ስድራን ቁምስናታትን ንተሳተፍቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝገበርኦ እንገዳን ብሓቂ ዘደስት ምንባሩ ድማ ሓቢሮም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሃሴትን ኣስተንትኖን ጸሎትን ዝተዓደለን ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ መንእሰያት ፍቕሪ ብዘገርም ኩነት ዝተንጸባረቐሉን ብሓቂ ዓቢይ ህያብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝተረጋገጸ እዩ ኢሎም።

ሓደጋ ኣየጋጠመን ዝነበረ ሓላዋ ጸጥታን ደህንንት ዝነኣድ እዩ ኔሩ። ፖላንድ ንበጻሕታ ብብቕዓት እተእንግድ ሃገር ምዃና ኣመስኪራ ምስ በሉ፥  እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብሓዋርያት ምሕረት እግዚኣብሔር ዝተሰነየ ምንባሩን ብፍላይ ድማ ኣብ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዝተኻይደ ብምዃኑ ድማ ብሓቂ ብሉጽ እዋን ኣብ ምሕረት ዓመት እዩ ከበሃል ይከኣል ቢሎም፡ ዓለም ንዳግማይ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰናድው ናይ ፍቕሪ ሃልሃልታ ሒዝካ ምውጻእ ዝብል መልእኽቲ መንእሰያት ናብ ዝመጹለን ሃገራቶም ብምኻድ ክነብርዎን ከቃልሕዎን እያቶም ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ እዚ ዓቢይ ኩነት’ዚ ፖላንድ ካብቲ ዓለም ሓቆፍ ርክብ መንእሰያት ኣሃድነትን ተስፋን ንዝበለጸ መጻኢ ኣብ እትገብሮ ምጥማት ዘዕብያ ክኸውን ተስፋ እገብር ቢሎም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.