2016-07-30 17:03:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤት ሕክምና ቈልዑ


ዕለት 29 ሐምሌ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ብናይ ፖላንድ ሰዓት ኣቆጻጽራ ካብ ከተማ ክራኩፍ ትሽዓተ ኪሎ ሜትር ርሕቕ ቢሉ ብሸነኽ ደብቡ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ከተማ ፕሮኮቺም ዝርከብ ቤት ሕክምና ቈልዑ ሓዋያርዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ናብቲ ቤት ሕክምና ቈልዑ ምስ በጽሑ በቲ ቤት ሕክምና ዝድገፉ 50 ህሙማን ሕጻናትን ወለድታቶም በቲ ናይቲ ቤት ሕክም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣቀባብላ ተገይርሎም ናይ ፖላንድ መራሔ መንግስቲ በኣታ ስዝይድሎን ቀጺሎም ናይቲ ቤት ሕክምና ዋና ኣመሓዳሪ ድሕሪ ዘቐረበሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጹ መልእኽቲ ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ኣብ ክራኮቪያ ብዘካይዶ ዘለኹ ዋሓዋርያዊ ዑደት ምኽንያት ካብ ምብጻሕኩምን ምስቶም በዚ ቤት ሕክማን ዝርድኡ ሕጻናት ካብ ምራክቦም ክቦክር ዘይሕሰብ እዩ። ንኹላትኩም ነተን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልኽቲ ዘቕረባለይ መራሔ መንግስቲ ፖላንድ አመስግን። ኣብዚ ቤት ሕክምና’ዚ ንዝርከቡ ነፍሲ ወከፍ ሕፃን ቀረባ ኰይነን ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኰይነን ክሓቑፎምን ጽን ክብሎምን ኣብ ቅድሚ እቲ ቅጽበታው መልሲ ክወሃቦ ዘይከኣል ሕቶኦም ፊት ምስኦም ኣብ ጽሞናኦም ክሓበርን ክጽልን እምነይ።

ወንጌል ኢየሱስ ምስ ሕሙማን ይራኸብ ከምዝነበረን ይቕበሎምን ናብኣቶም እውን ብድላዩን ይኸዶም ከምዝነበረ የዘንትወልና። ኢየሱስ ወትሩ ብዛዕባኦም ግዱስን ዘይቋረጽ ምስትውዓል ህላዌኦምን ከምዝነበሮን ከምቲ ሓንቲ ኣደ ንዝሓመመ ወዳ እትጥምቶ ብቡቕባቐ እትሰምዖን ልክዕ ኢየሱስ ድማ የዕይንቱ ናብኦም የንብር።

ልክዕ ከም ናይ ኢየሱስ ኣገባብ ከም ክርስቲያን መጠን ንህሙማን ብጽሞናን ብፍቕርን ብለውሃንት ጸሎትን ቀረባ ናይ ምዃን ተኽእሎ ክህልወና ክንደይ ምደለኹ። እንነብረሉ ሕብረተሰብ በቲ ከም ውዳቕ ምሕሳብ ዝብልን ተጻይ እንገዳ ተጠቂምካ ምድርባይ ብዝብል ባህሊ ዝተበከለ እዩ። ናይዚ ባህሊ’ዚ ኣደዳ ድማ እቶም ስንኩፋንን ተነቀፍትን እያቶም፡ ብሓቂ ድማ እዚ ጭካኔ እዩ። በንጻሩ ግና እቶም ስንኩፋንን ተነቀፍትን ኣብዚ ቤት ሕክምና’ዚ ክእንገዱን ክንክን ክግበረሎም ምርአይ ክንደይ ባህ የብል። ስለ እቲ ናይ ፍቅሪ ትእምርቲ ዝዀነ ኣበርክቶኹም አመስግን። እቲ ናይ ማሕበራውን ፖለቲካውን ትኩረት ማእከል ኣቶም ውጹዓት  ዝብል ሰብኣውን ክርስትያናውን እውነተይና ናይ ስልጣኔ ትእምርቲ እዩ።

ኣብ ገለ ገለ ኣዋን ኣባይቲ ስድራ በይኖም ናይቶም ዝሓመሙ ደቃቶም ጾር ተሰከምቲ ኰይኖም ንበይኖም ክተርፉ ይረአይ። ዝድግፍ ዘይብሎም። እንታይ ይገበር? እወ ኣብዚ ቦታ’ዚ ጭቡጥ ፍቕሪ ይርአይ። ስለዚህ መልሲ ናይቲ ኣንይታይ ይበገር እምበአር ናይ ጭቡጥ ፍቅሪ መግለጺ ተግባር ምስፋሕ እዩ። ናይ ምእንጋድ ባህሊ ምብዛሕ ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ ዝተነቓቕሔ ተግባር ፍቕሪ ንሱቑል ኢየሱስን ፍቕሪ ንኣካለ ክርስቶስን ክሰፍሕ ምግባር እዩ። ብፍቕርን ሓልዮትን ነቶም ውጹዓትን ስኡናትን ምድጋፍ ብሰብኣውነት ዘዕብየናን ናብ ዘለዓለማውነት ዘሰጋግረና መገዲ የርህወልናን ግብረ ምሕረት ዝፍጽም ድማ ሞት ኣይፈርሕን እዩ።

እቲ ንህሙማን ምብጻሕ ዝብል ወንጌላዊ ጻውዒት ጸዋዕታን ምርጫን ሕይወቶም ዝገበሩ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ከምኡ እውን እቶም ቆሞሳት ናይ ዝተፈላለያ ኣባይቲ ሕክምናን ወለንተይናታትን በርቱዕ እብል። ኣብዚ ቤት ሕክምናን ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለምን ኣገልግሎትኩም ብጽቡቕ ንኸተካይዱ ጐይታ ይሓግዝኩም፡ ክርስዖ ዘይግብኣኒ ድማ እተን ብዙሓት ሕይወተን ኣብ ምግልግላ ሕሙማን ዘሕልፋ ውፉያት ደናግል ከይዘከርኩ ክሓልፍ ኣይደልን። እግዚኣብሔር ውሽጣዊ ሰላምን ርህሩህ ልብን ይዓድልኩም።

ንዘካይድናዮ ርክብ አመስግነኩም። ብፍቕርን ብጸሎትን ኣብ ውሽጢ ልበይ ሒዘኩም እጓዓዝ። ንስኻትኩም ድማ ስለይ ምጽላይ ሓደራ ኣይትረስዑ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.