2016-07-28 15:57:00

ናይ 27 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ዑደት ጽማሬ ውዕሎ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለት 27 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽማሬ ውዕሎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣማእኪሎም መግለጺ እንክህቡ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ብመንግስቲ ፖላንድ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖላንድን ጳጳሳትን ካህናትን ብፍላይ ድማ ናይቲ ቀንዲ ምኽንያት ሓዋርያዊ መገሻ ዝዀነ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰይ ቀንደይና ተዋሳኢ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣቀባብላ ተገይሩሎምን ታሪኻዊ ብጋሴ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘዘንትው ተዘክሮ ውሉደ ፖላንድ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ፓላንድ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለትሉ ተዘክሮ መበል 1050 ዓ.ም. ዘቃልሕ ኩነት ከምተነብረን ገሊጾም፥ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካይድዎ ርክብ እቲ ርክብ ድማ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት ዝተነብረሉን ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ሕዝብን ቀረባ ንሕዝብን ጭቡጥ ተክለ ሰብነት ክርስቶስ ዘበስሩን ምትሕብባርን ምቅርራብን ከምቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ፖላንድ መርሕ ቃል ዝብሎ፥ “መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ እያቶም እሞ ብፁዓን እዮም” (ማቴ. 5,7) እዚ ድማ መምዘኒ እንነብሮ ክርስትና ዘድምዕን ምሕረት እግዚኣብሔር ረቒቕ ሓሳብ ዘይኰነስ ጭቡጥ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓሳብ ብሰፊሕ ተንቲኖም እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት ምዕዶ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ፖላንድ ናብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓላቲ መንእሰያት ዘሰጋግር እዩ።

ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት እውን ኣብ ዝበልዎ ሓሳብ ምእንጋድን ምቕባልን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ዝግበር ርክብ መምዘንን መለለይ ክርስትናን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ብምዝኽኻር ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልያት ብዘየገድስ ነቲ ሰብ ከም ሰብ ዝመዝኖ ተቐባልነትን ክፉት ልብን ዝብል መለለዪ ህልው ምግባር ዝብል እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣተሓሳሲቦም።

ኣባ ሎምባርዲ ቀጺሎም እውን እዚ ኣብ ፖላንድ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፍሉይን ታሪኻውን ኵነትን ዝንበር ብምዃኑ ዘለዎ ትርጉም እምነት እዩ። ስለዚህ ናይ እምነት መልእኽቲ እዩ። ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ። ናይ ፍቕሪ መልእኽቲ እዩ። ኣብ ምሕረት ዓመት ዝነበር ብምዃኑ ድማ ምሕረት ዘማእከለ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ብዝተፈላለየ መገዲ ገሊጾምዎ እዮም። ምሕረት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንዅሉ ማለት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ናይ 27 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ርክባት ብዝተፈላለየ መገዲ ዝገለጽዎ ሓሳብ እዩ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ዝሃብዎ መግልጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.