2016-07-26 19:04:00

ካብ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ሓዲሽ ተበግሶ እምነት ናይ መንእሰያት ንጽበ!


ናይ ሰበኻ ትራፓኒ ኣቡንን ናይ ሃገረጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ናይ ስድራቤትን ሕይወትን መንእሰያትን ኮሚሽን ኣቦ መንበርን ብጹዕ ኣቡነ ፕየትሮ ማርያ ፍራኘሊ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ኣብ ክራኮቭያ ሃገረ ፖላንድ ዝካየድ መበል 31 ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣመልኪቶም ንረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ካብ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ሓዲሽ ተበግሶ እምነት ናይ መንእሰያት ንጽበ’ ቢሎም፣

በቲ ክሳብ ሕጂ ዝበጽሐ ናይ ምዝገባ ከይዲ ልዕሊ 90 ሺሕ መንእሰያትን ልዕሊ 130 ጳጳሳትን ኣብ ዝምልከተሉ ካብ ሃገረ ጣልያንውን ብብዝሒ ከምዝሳተፉ ዝገለጹ ብጹዕነቶም ሽሕኳ ድሕሪቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ርዮ ዲ ጃነሮ ዝተገብረ መበል 30 ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ብዙሕ ምስንዳው እንተተገብረ ሎምዘመን ከኣ ምእዋጅ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ነዚ ንግደትዚ ዝለዓለ ትርጉምን መቀረትን ከምዝሃቦ ኣመልኪቶም፣

ኣብዚ ከም ፍሉይ ዓለም መንእሰያት ዝገለጽዎ ፍጻሜ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዝግበር ጸሎታትን ኣስተንትኖን ምናዳ ከኣ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ብዝገብርዎ ኑዛዜን ዝረኽብዎ ሕድገት ሓጢኣትን ዕርቅን ብጣዕሚ ከምዝሕደሱ ሎምዘመን ከኣ ኣብታ ምንጪ መለኮታዊ ምሕረት ዝኾነት ከተማ ክራኮቭያ ምክያዱን ኣብቲ መካነ ንግደት ዘሎ ዝተፈላለየ ምልክታት ቅድስናን ገድሊ ቅዱሳንን ዓቢ ሓገዝ ኣለዎ፣

ክራኩፍ እንክትብል ብመሰረቱ ቅድስት ፋውስቲናን መለኮታዊ ምሕረትን ትዝክር ብዝበለጸ ናይዚ ናይ ዕርቅን ንስሓን ምሕረትን ዘይደክምን ዘይሕለልን ሓዋርያ ዝነበሩን ነዚ ዓለምለኸ ዕለተመንእሰያት ዝሃንደሱን ዝመስረቱን ዝተኸሉን ኣብ ፍረ ዘብጽሑን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክትዝክር ግድን እዩ፣

ናይ ሎሚ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ይገብር ኣብ ቸንስቶሆቫ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ዝተገብረ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ዓቢ ጽልዋ ካብ ዘሕደሩን ዕለታት ሓደ ኮይኑ ኣብቲ ጉባኤ እቲ ካብ ዝተሳተፉ ብዙሓት መንእሰያት ቅጽበታዊ ለውጥን ተሓድሶን ብምርካብ ብዙሓት ብክህነትን ውፉይ ሕይወትን ንጐይታ ክኽተሉ ዝወሰኑሉን ክሳብዛ ዕለትዚኣ ብዓቢ ኣድናቆት ዝዝክርዎን እዩ። እዚ ብሓቂ ምንጪ ቅድስናን ጸዋዕታን ምዃኑ ትግንዘብ፣ እቲ ቀደም ቀደም ናብ ጸዋዕታ ክህነትን ድንግልናን ንምብጻሕ ኣብነት ናይ ሓደ ቆሞስ ወይ ፈላሲ ወይውን ፈላሲት ብምስዓብ ይብጻሕ ነሩ እንተሎሚ ሎሚ ግን ከምዚ ዓይነት ዓለምለኸ ፍጻሜታት ምንጪ ጸዋዕታን ቅድስናን ኮይኑ ብዙሓት መንእሰያት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ብግብረ ሰናይ ንካልኦት ከገልግሉን ንስብከተ ወንጌል ክነቅሉን ክውስኑ እሞ ነቲ ከም ምልክት ተልእኮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዝዕድልዎም ናይ ሰላም ወንጌል ብሓቂ ዓጢቆምሉ ቆሪጾም ክለዓሉ ክትርኢ ዘሓጉስ እዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ወትሩ ዘይሓድገና ኣምላኽና ክነመስግን የድሊ፣ እንክብሉ ናይዚ ዕለትዚ ዓሚቊ ምስጢርን መሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ምስ ገለጹ ንሶም ከም ጓሳ ብፍላይ ከኣ ናይ ሃገረ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ኮሚሽን ስድራቤትን ሕይወትን መንእሰያትን ኣቦ መንበር ካብዚ ተመክሮ ዝጽብይዎ ምስ ተሓቱ፣ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ብቀዳምነት ናይዚ ፍጻሜዚ ከይዲ ካብ ምስንዳው ጀሚርካ ትርጉምን ዝወሃቦ ዋጋን ንምምዕባል ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ኣይኮነን፣ ካብዚ ሓሊፍካ ከኣ ኦሮማይ ሎሚ ዓለምና ንእሽቶ ቊሸት ኣብ ናይ ምዃን ደረጃ በጺሓስ ብግሎባላይዘይሽን ዝፍለጥ ዓውለማዊ ጽልዋ ስለዝተጐብኤት ሎሚ መንእሰያትና ብዙሕ ሓደስቲ ነገራት የጋጥምዎም ኣለው፣ ናይ ተክኖሎጂ ሕዳሴ ጥራይ ዘይኮነ ጂኦግራፊካዊ ኩነታት እውን ስለዝተሓደሰ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወለዶታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘሎ ርክብ ርኢኻ ብብስለት ክዋስኡን የድሊ፣ ንሕና ብወገና ኣብ ዓዲ ጣልያን ወፈራ ስብከተ ወንጌል ንመንእሰያት ብምክያድ ክሳብ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይተረፈ ክፍሊ ክህልወናን ክንቀርቦምን ዝገበርናዮ ሎሚ እውን ድሕሪ ክራኩፍ 2016 ብሓዲሽ መንፈስ ክንነቅልን ቀጻሊ ክንገብሮን ዕለት ዕለት ናብ ዓለም መንእሰያትና ክነተኲር እትስፎ እንክብሉ እምነቶምን ተስፋኦምን ገሊጾም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.