2016-07-21 16:43:00

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ኣሲዚ ናይ 2016 ዓ.ም. ርክብ


ብዓቢይ ድላይን ሓልዮትን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ብምንቕቓሕ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኢጂዲዮ ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዝተ ዝተበገሰሉ መበል 30 ዓመት ኣብ ዝዘከረሉ ዘሎ ዓመት ዝካየድ መደብ ናይ ሓባር ዘተ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ጽምኢ ሰላም ብዝብል ቃል ተመሪሑ ዝፍጸም ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኢጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ 1986 ዓ.ም. ክብገስ እንከሎ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ዝሑል ውግእ ግምት ዝሃበን ኩለን ሃማይማኖታ ኣብ ዓለምን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዕላማ ዘለወን ዓቢይ ግደ ንምትሕስሳብ ኣሚቱ ዝተበገሰ ምንባሩ ኢምፓሊያዞ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ነቢያዊ ሓሳብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እነሆ መበል 30 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። ቀጺሉ መንደቕ በርሊን ምስ ፈረሰ ሃዋሁ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ክቐላቐል ከምዝጀመረን ድማ እቲ 1992 ዓ.ም. ኣብ ሞዛምቢክ ዝተበጽሔ ሰላም ጠቒሶም ምስ ሓበሩ እቲ ናይ ሞዛምቢክ ስምምዕ ሰላም ብሓልዮት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮን ዝተነቓቕሔ ምንባሩ እውን ዘኪሮም ኣብ ኰሎምቢያ ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ኵባን ዝተበጽሔ ዕርቂ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ውግእ ኣብ ዘለሉ ስፍራ ኩሉ ከም መጥፋእቲ ሓዊ ኰይኑ ዝተፈላለየ ግጭትን  ወግእን ብዘተ ፍታሕ ክረክብ ገይሩ እዩ። ስለዚህ ታሪኹ ኣብ ውሽጢ ርክባት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላም ክህሉ ዝብል ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ማሕብራዊ ሕይወት ብዙሕ ብሉጽ ዓወት ኣዕቲሩ እዩ ምስ በሉ እቲ ናይ ለምዘበን ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ከምቲ ልሙድ ጸሎትን ሰላምን ዘማእከለ እዩ። ስለዚህ ኩለን ሃይማኖት ዘሳትፍ ኰይኑ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ግብረ ሽበራ ኣብ ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሞትን መቑሰልትን ማሕበራዊ ዕግርግርን ዘተኣታትው ዘሎ ብፍላይ ሶሪያን ዒራቕ ዘሎ ጸረ ሰላም ኩነት ጠቒሶም ነዚ ኩሉ ዝድህስስ እዩ። ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ነቲ ብሽፋን ሃይማኖት ምስልምና ኣሸበርቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግብረ ሸበራ ዘውግዙ እያቶም።  ስለዚህ እዚ ሓቂ’ዚ ዘቃልሕ ናይ ሓባር ዘተ እውን እዩ። ሃይማኖት ሰላም ዘበስርን ዝሰብኽን ዝጽልን እዩ። ስለዚህ ኩለን ሃይማኖታት ዝጥቀማሉ ቋንቋ ሰላም ምዃኑ ዘነጽር እዩ።

ኣብቲ ናይ 2016 ዓ.ም. ካብ ዝሳተፉ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መንፈሳውያን ዓበይቲ ኣካላት ካብ ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብን ናይ ሊባኖስ ዓቢይ ሙፍቲን ብዙሓት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ሃገራት ዝመጹ ዓበይቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መንፍሳዊ መራሕቲ ክሳተፉ እዮም። ካብ እስያ ዝመጹ ንኣብነት ናይ ኢንዶነዚያ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚሊዮን ኣባላት ዘለውዎ ናይ ማሕበረሰብ እስላማዊ ሕውነት ኣቦ መንበርን ካብ ካልኦት  ሃይማኖታት ድማ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርካትን ብቐዳምነት ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ቡድሃን ሂንዱን ካብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ላዕለዎት መምህራንን ናይ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ዘሳትፍ እዩ። ኣቲ ናይ ለምዘበን ርክብ መርሕ ቃል ከምዘመልክቶ ድማ ዓለምን ሕዝቢ ዓለምን ጽምኢ ሰላም የሳቕዮ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሃይማኖት ምስልምና ምስቲ ብስም ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸም ግብረ ሽበራ እዩ ገዛእ ራእሱ ዘነጻጽር ዘሎ። ንዓበይቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መናብርተ ጥበብን ናይ ሃይማኖት ምስልምና መንፈሳውያን ዓበይቲ መራሕትን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዓቢይ ብድሆ እዩ። እቲ ግብረ ሽበራ ንገዛእ ርእሱ ንሃይማኖት ምስልምና ዝጻረርን ዘጸልምን እዩ። እቲ ጸረ ግብረ ሽበራ ኣመለኻኽታኡ ድማ ኣብቲ ናይ ኣሲዚ ናይ ሓባር ዘተ ከቃልሖ ምዃኑ ምስ ገለጹ ኣተሓሒዞም ምስቶም ደለይቲ ሰላም ሓቀይና ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ጎን ኰይና ኣብ ሰላም ጉዕዞ ክንደጋገፍን ናይ ሕይወት ባህሊ ከነስፍሕን ዝድግፍ ርክብ እዩ ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ምሕረት ምኽንያት ኣብ ኣሲዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም፡ ብምኽንያት እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ሰፊሕ ሓዋርያዊ መርሓ ግብሪ ዘለዎም ብምዃኑ ኣብቲ ናይ ኣሲዚ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብኣካል ወይ ከኣ ብዝውክሎም ኣካል ድዮም ዝሳተፉ ገና ኣይተፈልጠን ይኹን ደኣ እምበር ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ሓባር ርክብ ብናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቃስ መስራቲ ፕሮፈሰር ሪካርዲ ሓበሬታ ተመሓላሊፉሎም ኣሎ። ብዙሓት ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ቅዱስ ኣቦና ዓበይቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካልት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ውሽጥ ዝሳተፉ እውን ከምዘለዉ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.