2016-07-21 16:37:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 27 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ከተማ ክራኮቪያ ኣብ ዝካየድ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ኣብ ዝፍጽምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ኣብ ዣስና ጎራ ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸላም ቅዱስ ስፍራ ከዕርጉን ኣብ እውሽዊዝን ቢርከናውን ከበጽሑን ናይ ሕልና ጸሎት ከዕርጉን ኣብኡ ምስ 25 ዝግመቱ ካብቲ ናይ ፋሺስታዊ ናዚ መቕዘፍቲ ዝተረፉ ዜጋታትን ከምኡ ድማ እስራኤል ቅኑዓት ሰባት ዝብል ስልማት ካብ ዝሃበቶም ውሽጢ ምስ 13 ዜጋታት ክራኸቡ ምዃኖም ብዛዕባ እዚ ጉዕዞ’ዚ ኣመልኪቶም እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ንዓሰርተ ዓመት ዘገልገሉ ዕለት 1 ነሓሴ 2016 ዓ.ም. ኣገልግሎቶም ዘብቅዕ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለት 20 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ ቅዱስነቶም ምስቶም ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ተሳታፍያን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዝግበረሎም ኣቀባብላ ተረኺቦም ምዕዳን ክልግሱን ጸሎት ዋዜማ ክመርሑን መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ምዃኖም ከምዘፍለጡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፖላንድ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ፈለማ ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ኣዘኻኺሮም ቅዱስነቶም ካብቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝፍጽምዎ ወግዓዊ መርሓ ግብሪ ወጻኢ ክዚስቶኮዋን ከምቲ ቅድም ክብል ዝገለጽዎ ኣብ ኣውሽዊዝን በርከናውን ክበጽሑ እዮም። እዚ ኣብ ፖላንድ ዝፍጽምዎ ዑደት መበል 15 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ፖላንድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ከተእንግድ ምስቲ ናይ 1991 ዓ.ም. ንኻልኣይ ጊዜኣ ምዃኑ ኣፍሊጦም ናይ ለምዘበን መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መርሕ ቃል “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” (ማቴ. 5,7) ዝብል ቃለ ወንጌል ከምዝኾነ ዘመልከቱ ኣባ ሎምባርዲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ዝርከብ ናይ እግዚኣብሔር መለኰታዊ ምሕረት ናይ ግልጸት ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ እዮም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና በዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ መንእሰያት’ዚ ብጀካ ሓደ ብስፓኒሽ ቋንቋ ዘቕርብዎ መደረ ካልእ ኩሉ ዝልግስዎ ምዕዳንን ስብከትን ስልጣናዊ ትምህርትን ብጣልያንኛ ቋንቋ ከምዝኸውን ዝሓበሩ ኣባ ሎምባዲ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓሚዩቅ ምትሕሓዝ ኣልዎ ተባሂሉ ዝንገረሎም ቅዱሳት ስፍራን ናይ ክራኮቪያ ካቴድራልን ቅዱስ ስፍራ ክዘስቶኮዋን ክበጽሑ እዮም እዚ ናይ 27ን 28 ሓምሌ መርሓ ግብሪ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ዓርቢ ዕለት 29 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ከምቲ ቅድም ክብል ዝተገልጸ ኣብ ኣውሽዊዝን ቀጺሎም ድማ ቢርከናውን ምብጻሕ ከካይዱ ከካይዱ እዮም። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ 1979 ዓ.ም. ከምኡ ድማ ኣብ 2006 ዓ.ም. ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኣውሽዊዝን ቢርከናውን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ሕሊና ጸሎት ኣዕሪጎም ከምዝነበሩ እንክዝከር፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣውሽዊዝን ቢርከናውን ኣብ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ሕሊና ጸሎት ብጽሞና እቲ ዘስካሕክሕ ስቓይን ሕልቂትን ዝወሓዘ ንብዓትን ከስተንትኑ እዮም፡ ስለዚ ኣብኡ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣይክህሉን እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ይገልጻ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ህልቂት ስፍራ ንምብጻሕ ዘለዎም መርሓ ግብሪ ናይ ፖላንድ ናይ ኣይሁድ እምነት ዓቢይ መምህር ከምዘድነቑ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም። ንጽብሒቱ ቅዱስነቶም ኣብቲ እታ ናይ መለኰታዊ ምሕረት ዓቢይ መንፈሳውነት ዝተዓደለት ቅድስቲ ሳንታ ፋውስቲና ኮዋልስካ ዝነበረትሉን ቅዱስ ዓጽማ ዝዓረፈሉን ገዳምን ኣስዕቦም ድማ ኣብ ቅዱስ ስፍራ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንፈሳዎ ንግደት ፈጺሞምን ኣብቲ ናይ ምሕረት ሜዳ ምስ መላእ ተሳታፍያን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መእሰያት ናብ ሰንበት ዘሰጋግር ለይቲ ጸሎት ዋዜማ ከዕርጉን ሰንበት ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክዛዘም እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ኣባ ሎምባርዲ ብዛዕባ ጸጥታን ደሕንንትን ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ ፍልዩ ዝበለ ስግኣት የለን እንክብሉ መሊሶም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ 800 ብፁዓን ጳጳሳት ክሳተፉን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሺሕ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም ድማ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም ዝተረኽቡ ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወሃቢ ቃል ፓወል ርይተል ኣንድሪያኒክ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.