2016-07-19 16:00:00

ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ መግለጺ


እቲ ኣብ ግሪክ ደሴት ክረታ ዝተኻየደ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ካብ ዝዛዘም ብልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ቀዳማዊ ዛዕባ እቲ ናይ  መላእ ኦርቶዶክሳውያን ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ  ቅዱስ ሲኖዶስ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣደጊፎም ዝግምግም ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መርገጺ ብወግዒ ከምዘፍለጡ ክምልከት እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቡልጋሪያን ጆርጂያን ከምኡ ድማ ናይ ኣንጽዮኪያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘይተሳተፋ ምዃነን ኣዘካኺሩ ስለዚህ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ መላእ ኦርቶዶካውያን እቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝውክል ክኸውን ኣይከእልን ከምዝበሉ ከምዝሓበረ ኢንተርፋክስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ነቲ ኣብ ክረታ ዝተኻደ ናይ መላልእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቅዱስ ዓቢይ ጉባኤ ደኣ እምበር  ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ክበሃ ከምዘይክልእ ሓቢሩ፡ እቲ ናይ ክሬታ ናይቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳዊያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሰነድ ቢልካ ምግለጹ ጌጋ ከምዝዀነ ናይ መላእ ሩሲያን መስኮን ፓትሪያርክ ውግዓዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ሩሲያ ኢንተርፋክስ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ዜና ዝተወከሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣፍሊጡ።

ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘብሎ መሰረታዊ መምዘኒ ዘይነበሮ ምዃኑ ዝገለጸ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ፓትሪያርክ ወጎዓዊ መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ኣብ ክረታ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ብርግጽ ድሕሪ እቲ ኣብ 1961 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ስዒቡ ዝመጸ ምንባሩ ታሪኻዊ የብሎ፡ እዚ ማለት ግና እቲ ናይ ክረታ ሲኖዶስ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ክትብሎ ዘይኰነስ ናይ ገለ ገለ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉባኤ እዩ ኔሩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ኢንተርፋክስ ዝጠቐሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ገሊጺ።

እቲ ኣብ ክረታ ዝወጸ ናይቲ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዑምቀት ምጽናዕን ምትንታንን መሰረታዊ ትርጉም መሚኻ ምፍላጥን ከድሊ እውን እንተዀነ  ናይቲ ናይ ክረታ ናይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተክርስቲያን ሲኖዶስ ናይ ፍጻሚ ሰነድ ተባሂሉ ክግለጽ ከምዘይክእልን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶስካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምሕባር እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ናይ ክረታ ሰነድ ክጽናዕ መታን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንእተቑሞ ናይ ውሽጣ ናይ ቅዱስ መጽሓፍን ቲዮሎጊያን ፍልዩ ድርገት ከተመሓላልፎ ምዃና ከምዘፍለጠት ኢንተፋክስ ናይ መላእ ሞስኮን ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒሱ ከምዘመልከተ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.