2016-07-16 17:14:00

ሰንበት ዘጊሜ ሓምለ 10 2008 ዓ.ም. (7/17/2016)


ምስባክ፡ሐወፅከ ለምድር ወአርወይከ፥ አብዛህከ ለብዕላ፥ ፈለገ እግዚአብሔር ምሉዕ ማያት።   ንምድሪ ትሓልየላ ዝናም ሰዲድካ ኸአ ተጽግባ፥ ፍርያምን ሃብታምን ትገብራ ንርባታት ብማይ ትመልኦ (መዝ. 65፡9)።

ካብ ሰነ 25 ክሳብ ሓምለ 16 ዘሎ ጊዜ ብአተ ክረምቲ ተባሂሉ ይፍለጥ። ሥርዓት አምላኾና ምስቲ ወቕቱ አዛሚዱ ነቲ አምላኽ ዝገብረልናይ ሰናይ እና አነጻጸር ንመፈሳዊ ሕይወትና ብዝያዳ አብ አምላኽ ክንምለስ የዘኻክረና። ሰንበቱ ዘጊሜ ይብሃል። ከምዚ ሎሚ ደርቅን ስእነት ዝናምን ከየሎ እዚ እዋን ብግመን ዒፍዕፍታን እዩ ዝፍለጥ ነሩ። አብዚ እዋን ብሩህ ተስፋ ቀውዒ ስለ ዝርአ ነቲ ንደመናታትን ንኹሉ ዝህብ አምላኽ አመስጊና ክንክእል የዘኻኽረና። ሎሚ ከም ቀደም አምላኽ ህያባቱ ካብ ምዕዳል አየቋረጸን ንሕና ደቂ ሰብ ኢና ነቲ አምላኽ ዝሃበና ከም ናትና ገርና ስለ እንወስዶ ንአምላኽ አወጊናዮ ንርከብ ስለዚ አብ አምላኽ ክንምለስ ንሕተት አሎና።

አብዚ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ብምሉእ አብ አምላኽ ክንውፈ ትሓተና። ንድሕሪት ከይጠመትና ምሉእ ነጻነት ለቢስና ንኹሎም ነቶም ንአምላኽ ከይነገልግሎ ከይንሰምዖ ንድሕሪት ዝጎቱና አብ ካልእ ከም እንዝንግዕ ዘገብሩና ንጎኒ ወጊና ብምልኡ ናቱ ክንከውን ንሕተት አሎና።

አብ ፩ዘነ 19፡16-21 ብዛዕባ ኤልሳዕ ነብይ ብኸመይ ከም ዝተጸውዐን ዝሃቦ መልስን ነንብብ። ኤልያስ ዝትክኦ ንኤልሳዕ ክቐብእ ብአምላኽ ምስ ተነግሮ አብ ኤልሳዕ ከይዱ ባርኖሱ አውደቐሉ ምልክት ወራሲኡ ምኻኑ ዝገልጽ። ኤልሳዕ ብእዋኑ ሃብታም እዩ ነሩ ብ12 ጽምዲ ብዕራይ ዝሓርስ ዝነበረ እዩ፥ ኤልያስ ባርኖሱ ምስ አውደቐሉ ደድሕሪኡ ኸይዱ ንስድርኡ ክፋኖ ሓቲትዎ ኤልያስ ግን አምላኽ ከም ዝሓረዮ ክነግር ከም ዝተላእከ እምበር ሓላፍነት ከምዘይብሉ ምስ ገሊጸሉ ኤልሳዕ ጽምዲ ብዕራይ ሓሪዱ ብናውቲ ማሕረሱ ነቲ ሥጋ አብሲሉ ንህዝቢ ሃቦ ሽዑ አብቲ ዝተጸውዖ ከምዝከደ ነንብብ። አብዚ ኤልሳዕ ብምሉእ አብቲ አምላኽ ዝጸውዖ ከም ዝወፈረ ንርኢ። አብዑር ምሕራዱ፥ ነብኡ ሰላም ምባል፥ ንደቂ ዓዱ ምፍናዉ ኩሉ ነቲ ዝተጸውዓሉ ብምሉእ ከም ዝተቐበሎ ዝገልጽ እዩ። ኤልሳዕ ንአምላኽ ልዕሊ ኩሉ ሃብቱን ስርሑን ልዕሊ ሕይወቱን ከም ዝርአዮ አብ ግብሪ አርእዩ።

ኤልሳዕ አብዑሩ ምሕራዱ ንአና ፍሉይ መልእኽቲ አልኦ። ንሱ ነብዑሩ ሓሪዱ ንኹሉ ካብ ንአምላኽ ምስማዕን ንመልእኽቱ ከየብጽሕ መኸላእታ ካብ ዝኾኖ፥ ዕንቅፋት ዝኾኖ ብምሉኡ ሓዲጉ ብምሉእ ርእሱ ሂቡ። ነቲ ዝነበሮ ሃብትን ሕይወትን ፈተና ከይ ኮኖ ወይ አብ ጸዋዕታኡ ከይዕንቅፎ ብምሉእ ካብ ርእሱ አርሒቕዎ። በዚ ኸአ ንአምላክ ከገልግል ንጸዋዕትኡ ብምሉእ ከም ዝተቐበለ አረጋጊጹ። አባና ተመሊስና ንጸዋዕታና ብምሉእ ከም ተቐበልናዮ እንታይ ዓይነት መስዋዕቲ አቕሪብና እንታ መረጋገጺኸ አሎና?

አምላኽ ክጽውዕ ክሓሪ እንከሎ መጀመርያ መልሲ ይደሊ ንአብነት ንማርያም አደ ወዱ ክትከውን ምስ ሓረየ እሽታአ ሓቲቱ፥ አብ መጸዋዕታ ኢሳይስ እንተ ርአና “እግዚአብሔር ንመን ክልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ ኪብል ሰማዕኩ አነውን እንኹ ልአኸኒ በልኩ” (ኢሳ 6፡8) ዝብል ነንብብ። ነፍስወከፍና ፍሉይ መጸዋዕታ ዝተቐበልና ኢና። አምላኽ ከምቲ ንሱ ዝደልየና ኮይና ድላዩ ክንፍጽም ዝተሓረና ኢና፥ እሞ ጸዋዕታና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮዶ ንመርሖ አሎና? ነዚ አጋጣሚ ተጠቒምና ንሕርየትና አብ መስመሩ መሊስና ንጉዓዝ። 

ቅ. ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ ገላ 5፡1.13-18 አብ ክርስቶስ ዘሎና ነጻነት የዘኻክረና። “ብሓርነት ምእንቲ ኽነብር ክርስቶስ ሓራ አውፂኡና እዩ” ይብል። እዚ ዝተዋህበና ነጻነት ፍሉይ ዓላማ አለዎ። ካብቶም ኩሎም ነገራት ነቲ ብኽርስቶስ ዝተቐበልናዮ ነጻነት ከምዘይንጥቀም ካብ ዝገብሩና ክንርሕቕ። ዝተዋህበና ነጻነት አብ ኃጢአት ክንወድቕ ምኽንያት ክኾነና የብሉን። ሓራ ምዃን ማለት ድላይካ ክትግብር ተፈቒዱካ ማለት አይ ኮነን እኳ ድአ ካብ ኃጢአትን ሳዕበናቱን ነጻ ስለ ዝኾንካ ብዝያዳ አብ አገልግሎት አምላኽን አሕዋትን ክትወፍር ፍቓደኛ ምዃን እዩ።

ንአምላኽን ሰብን ከነገልግል ነጻነት መንፈስን ሥጋን የድልየና። ሰብ ምሉእ ነጻነት ከይለበሰ አብ ጸዋዕትኡ ከፍሪ አይ ክእልን እዩ። ሰብ ነጻ ምስ ኮነ ምስ አምላኽ ሓደ ይኸውን ንአምላኽ ይሰምዕ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ቀዳመነት ሂቡ ቅዱስ ሕይወት ይመረሕ። ቅ. ጳውሎስ ሰብ ገላትያ ብፍላይ እቶም አይሁድ ዝነበሩ እሞ ክርስትያን ዝኾኑ ነቶም ካብ አረማውያን ናብ ክርስትና ዝተመልሱ ቅድሚ አብ ክርስትና ምእታዎም ስርዓት አይሁድ ክፍጽሙ ይግድድዎ ስለ ዝነበሩ ነዚ ክእርም እዩ ዳርጋ ጽሒፍሎም። ክርስትያን ምዃን ክብል እንከሎ ነጻ ምዃን ዝኾነ አረጊት ባህሊ ወይ ስርዓት ምስ ክርስትና ዘይከይድ ተጽዕኖ ዘይገብረሉ ማለት እዩ። አብ ቅድሚ አምላኽ አይሁዳዊ ወይ ግሪኻዊ ወይ አረማዊ ዝብሃል የለን ኵልና ብክርስቶስ ሓደ ኢና እናበለ ካብ ክርስቶስ ዝርከብ መሰልን ነጻነትን ገሊጹ። ሎሚ እውን ነዚ መንፈስ ክንለብስ ከሎና ጥራሕ ኢና ነጻነት ለቢሰ አሎኹ ክንብል እንኽእል።

አብ ሕይወትና አቲና ነጻ ድየ ዘሎኹ ኢልና ክንሓትት ጥቕሚ አልኦ። ኩልና አምላኽ ክንመርሖ ዝሃበና ሕይወት አሎና ነዚ አምላኽ ዝሃበና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮዶ ሒዝናዮ አሎና ወይስ ዘይ ናቱ አልቢስና ንመርሖ አሎና። አብ ኪዳናዊ ሕይወት ዝነብሩ ንአብነት ፍቕሪ ሓድነት ምርድዳእ ምምሕሓር ዝመልኦ ሕይወትዶ ሒዝና ንኸይድ አሎና እናበሉ ኪዳኖም ክቋመቱ ይግባእ። ከምኡ አብ አገልግሎት አምላኽ ዝወፈሩ ክህናትን ካልኦት ብምንኩስና ዝነብሩ ሕይወቶም ከመይ ከምዘሎ ከምቲ አምላኽ ዝጸውዓናዶ ንነብር አሎና ኢሎም ሕልናዊ መርመራ ክገብሩ እንከለዉ አገልግሎቶም ጥዕና ይረክብ እንተ ዘይ ኮነ ልብሲ ክህነት ምልባስ ካህናት አይ ገብርን እዩ።

ሉቃስ ወንጌላዊ አብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ሎሚ ንባባትና የምጽአና። ክርስቶስ ናይ እቶም አብ ቅድሚኡ ቀሪቦም ክስዕብዎ ዝሓትዎ ዝነብሩ አጉባዝ ሓሳባትን ድኽመታትን አቐዲሙ ይፈልጥ ነሩ እዩ። ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርን ጸገማትን እውን ይፈልጥ ነሩ እዩ። ከም ኩልና እንገብሮ ጽቡቕ ድላይ ክስዕብዎ ነርዎም እዩ ግን ከአ አብቲ ዝተጸውዑሉ ከይ ስዕቡ ብቑዕ ምኽንያት ኢሎም ዝሓሰብዎ አቕሪቦም እዮም። ንክርስቶስ ክስዕብዎ ይደልዩ እዮም እንተ ኾነ እቲ ዝድለ መስዋዕትን ጻዕርን ክገብሩ ፍቓደኛታት አይ ኮኑን። ስለዚ ኢየሱስ አብቲ ዝብልዎ መሰረት ገሩ ከምዚ ኢልዎም “ዕርፊ ብኢዱ ኂዙ ንድኅሪት ዝርኢ ንመንግስቲ አምላኽ አይ በቅዕን እዩ”። “ንድሕሪት ምጥማት” አብ ኩሉ ክርስትያናዊ ጉዕዞ ሕይወትና ዓቢ ሳዕበናት አለዎ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተ ርአና ሰይቲ ሎጥ ድሕሪት ምስ ጠመተት አብ ጨው ተለዊጣ (ዘፍ 19፡26)፥ ይሁዳ አስቆሮታዊ ንድሕሪት ምስ ጠመተ አብ ክሕደት መምህሩ በጺሑ። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ካብቲ ዝሓዝዎ ዓላማ ንድሕሪት ዝጠመቱ ክንደይ ጉድአት ወይ ክሕደት ከም ዝመጽእ እሙን ነገር እዩ። አብዚ ክርስቶስ ዘስተምህረና ንድሕሪት ምጥማት እንታይ እዩ ትርጉሙ? ድሕሪት ምጥማት እንብሎ ኹሉ እቲ ዘይጠቕም ነገራት አብ ሕይወትና እንገብሮ ነቲ አምላኽ ካባና ዝደልዮ ንጎኒ አወንዚፍና አብ ድላይና ቀዳምነት ሂብና እንጉዓዞ ዘጠቓለለ እዩ። ንድሕሪት ምጥማት ነቲ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝጸወዓና ቀዋሚ ጸዋዕታ ሕይወትና ከምቲ ዝተጸዋዕናሉ ገርና ከም እንመርሕ አይ ገብረናን እዩ።

ሓደ ካብቲ ንብዙሓት ካባና ዕንቅፋት ጸዋዕታና ኮይንና ዘሎ ከም ኤልሳዕ ነብይ “አብዑርና” ጌና አይሐርድናዮምን አሎና። ወላ እኳ እምነትና እንገልጽ ንኹን አብዑርና አብ ገለ ክፍሊ ሕይወትና ሓቢእናዮም ምሳና ይነብሩ አለዉ። እዚ ኸአ ናይ ቀደም አረጊት ጠባይናን ሕማምናን ቀጺልና ሒዝናዮም አሎና ማለት እዩ። ዝሓለፈ ሕማቕ ጠባይን አተሓሳስባን ሒዝና እንከሎና ክርስትያን እየ ድላይን መጸዋዕታ አምላኽን ሒዘ አሎኹ ክንብል አይንኽእልን ኢና። ክልተ ጎይቶት ክነገልግል አይንኽእልን ኢና። አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ምሉእ ተአምኖናን ተወፋይነትን ክንገልጽ እንተ ኾና ከም ኤልሳዕ ነብይ አብዑርና ክንሓርዶም አሎና፥ ምኽንያቱ “ንአምላኽን ገንዘብን ክትግዝኡ አይትኽእሉን ኢኹም” (ሉቃ 16፡13) ይብለና።

ስለዚ አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ብምሉእ አብ ክርስቶስ ዝአመና ክንከውን ትደልየና አላ። ከም ኤልሳዕ ነብይ ንኹሎም እቶም አብ ጸዋዕታ ሕይወትና ዕንቅፋት ዝኾኑና ኃይልታትን ስምዒታትን ከም ንአይ ይጥዓመኒ፥ አብ ሃብትን ንዋታውን ነገራት ጥራሕ ምድሃብ፥ ሞራላዊ ውድቀታት፥ ዝአረገ ናይ ቀደም ሕማቕ ወልፍታትን ልምድን ዝአመሰሉ ክንሓርዶም ጨሪሻን ካባና ክንርሕቖም አሎና። ነዚ ክንገብር ክንወፍር ከሎን ንክርስቶስ ብምሉእ ክንስዕቦ ናይ ብሓቂ ከቢድን መሪርን ይገብሮ ገለ እዋንስ እምበርዶ ድላይ አምላኽ እዩ እናበልና ምልክት ሕቶ እንገብረሉ እዋን እውን አሎ።

አምላኽ ምስ ጸውዓና ምኽንያት ዝበዝሖ መልሲ ክንህቦ አይ ደልን እዩ። ንኢየሱስ ምስዓብ ቀዳማይ ተልእኮና ወይ ጸዋዕታና እዩ ኩሉ ካልእ ካልአዊ እዩ። ብጸጋ ጥምቀት ደቂ አምላኽ አምሳል ክርስቶስ ኮና ደድሕሪኡ ክንስዕብ ኪዳን አቲና ኢና። ንአምላኽ ንመጸዋዕታኡ ክንምልስ እንከሎና ከም ኤልሳዕ ነቢ ሓንቲ ምጥርጣር ዘይብሉ ምሉእ ክኸውን አለዎ መልስና።

አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንድሕሪት ዝስሕቡ አብ ጸዋዕታና ከይንጸንዕ ዝፈታተኑ በብዓይነቶም ፈተናታት ይመጽኡና እዮም እንተ ኾነ ኢየሱስ ንቅድሚት እምበር ንድሕሪ ከይንጥምት ነጊሩና እዩ። ብዙሓት አብ ሕይወቶም ፈተና ዘይ ምርድዳእ ምስ ገጠሞም ነቲ አብ ቅድሚ አምላኽ ዝአተውዎ ኪዳን ክሓድጉ ወይ አሕሚሞ ክነብሩ ይርአዩ እዚ ኸአ ንኹሉ ስቓይ ይፈጥር። ንአብነት ካህን ንክህነቱ ክነብሮ እንተ ዘይከአለ ንስሙ ጥራሕ እንተ ነበሮ አብ ጸልማት ከም ምንባር እዩ፥ ከምኡ አብ ኪዳናዊ ሕይወት ዝነብሩ ቃል ኪዳኖም አብ ፍቕርን ምምሕሓርን ሕድገትን ክነብርዎ እንተ ዘይከአሉ አብ መድሪ ግሃነም እዩ። አብ ሕይወት እምብአር አብቲ አምላኽ ዝሃበካ ሕይወት ከመይ ኢልካ ሕጉስ ሕይወት ክትነብር እሞ አምላኽ ዝደልዮ እናገበርካ ምንባር እዩ እቲ ዝሓሸ።

ጸዋዕታና ክነብሮ ከሎና ልኡኻት አምላኽ ኢና እንኸውን። ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ሕይወቶም ዝመርሑ ሰበኽቲ ወንጌል እዮም። ሎሚ እውን አምላኽ ዝልአኽዎ ይደሊ አሎ። ሕይወት ካልኦት ሰባት ዝትንክፉ ቃል አምላኽ ዘስምዑ ሰላም ፍቕሪ አብ ሕይወቶም ዘርእዩ ይደሊ አሎ። ብርግጽ እዚ ንውሑዳት ሰባት ዝውሃብ መጸዋዕታ አይኮነን ንነፍስወከፍና አብ አምላኽ እንአምን ብፍላይ ብጥምቀት ደቁ ዝኾና ዝርኢ እዩ።

ደቂ አምላኽ ክንብሃል እንከሎና ካብ ኃጢአትን ሳዕበናት ኃጢአት ነጻ ኮና ንቅድሚት ምስ ክርስቶስ ክንምርሽ ሎሚ እውን ንጽዋዕ አሎና። ሓወይ ሓፍተይ መንፈስ ክርስቶስ አብ መንጎና አንጊስና ንጎይታናን አምላኽን ክርስቶስ ንዑናይ ንስበኮ ንብህሃሃል። ነዚ መንፈስ ዝሃዘ ጥራሕ እዩ ነጻነት ዘስተማቕርን ሕጉስ ሕይወት ዘሕልፍን።

ሎሚ እምብአር ንዝኾነ እነቕርቦ ምኽንያታት አብ ጎኒ ሓዲግና ክርስቶስ መድሕነይ ካባይ እንታይ ይደሊ አሎ ኢልና ንርእስና ንሕተት እሞ መገዲ ጉዕዞ ሕይወትና ርኢና አብቲ አምላኽ ዝሃበና ጸዋዕታ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ንግበሮ። አብ ኵሉ አምላኽ ብጸግኡ ይሓግዘና። ጠለት ዝመልኦ ብሩኽ ክራማት ሂቡ ሰናይ መስቀል ይብረቐና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.