2016-07-12 16:32:00

የኔታ ክቡር ኣባ ቪጋኖ፥ ኣባ ሎምባርዲ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያናውነት ራእይ ኣብነት


ቅድም ክብሉ ከምእተገልጸ ካብ ዝቅጽል ዕለት 1 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ንዓሰርተ ዓመት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ኣብቂዖም ሓላፍነቶም ነቶም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሾሙ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ከረክቡ ምዃኖም ዕለት 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ብቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝተውሃበ መግለጺ ዝተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዋና ቤት ጽሕፈት ህየንተ የኔታ ክብሩ ኣባ ቪጋኖ ኣባ ሎምባርዲ ነቶም ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፍን ምኽትሎምን ዓቢይን ሃብታምን ውርሻ ከምዘመሓላለፉን ገሊጾም፥

ኣባ ሎምባርዲ በቲ ዘለዎም ሙያዊ ብቕዓትን ትሕትናን ዘለዎም ቤተ ክርስቲያናዊ ራእይን ኩነታት ዓለም ብዓይኒ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ምትንታን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ሊቕነቶም ዘውርሱ ምዃኖምን ቤተ ክርስቲያን ኵላዊት እያ ስለዚህ ብዙሓት ባህልታትን ቋንቋታትን ሕዝብታትን እትውክል ብምዃና ነዚ ኅብረ መልክዓ ኣባ ሎምባርዲ ብብቕዓት ወኪሎምዎ እዮም። እቲ ፍልልይ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ራእይ ሃብቲ እዩ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ድማ ኣባ ሎምባርዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ንኽዀኑ ብቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሓርዩን ንቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘገልገሉን ድሓር ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሓርዩ ኣብቲ ኣገልግሎቶም ንኽቕጽሉ ብቕድስነቶም ተሓርዮም ብጠቕላላ ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ንዓሰርተ ዓመት ብምግልጋል ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውነት ተንታኒ ኰይኖም ብምግልጋል እቲ ዝሃብዎ መንፍሳዊ ትንተና እውን ነቶም ዝትክእዎም የውርሱ ኣለዉ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕብራውን ፖለቲካዊ ኤኮኖሚያውን ኰታ ኣብቲ ኵሉ ሰብኣዊ ዝምልከት መዳይ እትዋሳእ እያ። ነቲ ሓደ መርገጺ እትመርጽን ነቲ ካልእ እትቃወምን ሰልፋዊት ዘይኰነስ ካቶሊካዊት እያ። ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርትን ስርወ እምነትን ኣብ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝጸንዔ ኵላውነት መርገጺኣ እያ እተድምዕ ኣባ ሎምባርዲ ነዚ ዘጉልሑ እዮም እዚ ንሶም ብብቕዓትን ብዘዕግብን ዝነኣድን መንፈስ ዝፈጸምዎ ከይዲ ድማ ነቶም ዝትክእዎም የውርሱ ኣለዉ፡ ኣባ ሎምባርዲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ቤተ ክርስቲያናውነትን መንፈሳውነት ስነ ትንተና መምህር እዮም። እዚ ሃብቲ’ዚ የውርሱ ኣለዉ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.