2016-07-12 16:38:00

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪይቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ


ካብ ዕለት 4 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 8 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኤኩዋዶር ርእሰ ከተማ ኪቶ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪይቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለገስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ድኅረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣማእኪሉ ናይ ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ውህበትን ውበትን ነዚ ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕዳሴን ለውጥን ዘለዎ ኣገዳስነት ብዕምቆት ከምዝዘተየ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘመሓላለፎ ምንጪ ዜና የመልክት።

እቲ ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ናይ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ምንቅስቓስ ልኡካንን ማሕበር ተሓድሶ ንኣባይቲ ስድራን ናይ ተመሃሮ መርበባዊ ርክባት ሓልዮ ንስድራ ቤትን ላኡካን ብጠቕላላ ልዕሊ ሰማንያ ዝዀኑ ተጋባእያን ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ከምዝነበረ ክፍለጥ እንከሎ፥

ተነቃፍነት ስድራ ቤት ናብ ምሉእነት ስድራ ቤት ምልዋጥ

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ኣቦ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ፖርቶ ሪኮ ናይ ካጉዋስ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሩበን ጎንዛለስ መዲና ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ክምልከት እንከሎ ብፁዕነቶም ድሕሪ ፍጻሜ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘነቓቕሕ ሓድሽ ርእየት ዛዕባ  ስድራ ቤት ውህበትን ውበትን ዘድምዕ ናይ ዝውለዱ ሕጻናት ሕንደትን ናይ ምስጢረ ተክሊል መንፈሳውነትን ብዕምቆት ተለልዩ ክመሓላለፍን ንዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤት ማእከላዊ ስፍራ ክወሃብ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ጉባኤ ብዕምቀት ከምእተቓልሔ ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናብ ሓዋርያውነት ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ስልጣናዊ ትምህርቱ ብዑምቀት ተለልዩ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥን ንዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምቕራብ ንኹሉ ስድራ ቤት ዝቖሰለን ብዝተፈላለየ ሽግር ንዝተጠቕዔ ስድራ ቤትን ምግምማዕን ፍልልያት ፍትሕን ዘጋጠሞም ዘስተውዕል ክኸውን ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምእተሰመረሉን ስድራ ቤት ብዓይኒ ምሕረት ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ኣገዳስነት ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ታሪኹ ብፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ጉዕዞ ተስፋ ብዝሓልፍ ጸሎት ከንብቦን ነዚ ዝድግፍ ብወንጌላዊ ልኡክነት መንፈስ  ዝተነቓቕሔ ሓዋርያውነትን ብብርሃንን ሓይልን መንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ልልያ ክዓስሎ እቲ ጉባኤ ከምዘተሓሳሰበ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናይ ስድራ ቤት ሰናይ ንናይ ዓለም ቤተ ክርስቲያንን መጻኢ ወሳኒ እዩ

ከምቲ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓዋዲ መልእክቲ ዝንበብ ናይ ስድራ ቤት ሰናይ ንናይ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን መጻኢ ወሳኒ እዩ ምእንቲ’ዚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥልቂ ድላይ ዝዀነን ኣብተን ግብረ ገብን ሃይማኖትን ዝንጽላ ብሕሉፍ ዓለማውነት ባህሊ ኣብ ዝተዓብለላ ሃገራት እውን ናይ ስድራ ቤት ወንጌል ብምሉእ ሓይላ ብምንቕቓሕ መርዓን ስድራ  ቤትን  መደብ እግዚኣብሔር ዝንበረሉ ጸዋዕታን ናይ ቅድስናን ጉዕዞ ምዃኑ ብትብዓት ከተቃልሖን ከተስተምህሮን ጽውዕቲ ምዃና እቲ ጉባኤ ከምዘረጋገጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.