2016-07-09 17:20:00

ካናዳ፥ መንእሰያት ናብ ክራኰቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


በቢ ክልተ ዓመት ሓንሳብ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት ተሰናድዩ ዝካይድ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ኣብቲ ለምዘበን 2016 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ መሰረት ኣብ ክራኰቪያ “መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም ኣሞ ብፁኣን ኣያቶም” (ማቴ. 5,7) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንኽሳተፉ ዝምዝገቡ ዘለዉ መንእሰያ ቁጽሪ ኣዚዩ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ብናይ ክይበክ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ገራልድ ሲፕራይንን ናይ ቅዱስ ቦኒፋስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርት ለጋትን ኣብ ካናዳ ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤጳርቅና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ብርያን ባይዳን ተመሪሖም ዝሳተፉ ካናዳውያን መንእሰያት ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ ከምእተመዝገቡ ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ናይ መንእሰያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘወጽኦ መግለጺ የመልክት።

እቲ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓቲ መንእሰያት ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ነቶም ናብ ክራኰቪያ ንክኸዱ ዘይከኣሉ መንእሰያት ብዘሳትፍ መልክዕ ክመሓላለፍ ምዃኑ ኣብ ክራኰቪያ ኣሰናዳኢ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እንክሕብር፡ እቲ ካብ ዕለት 26 ሐምሌ ክሳብ ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ክራኰቪያ ናይ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መራኸቡ ብዙሃን ብምክትታል ከመሓላልፈኦ ምዃነን እውን የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.