2016-07-09 17:15:00

ብፁዕ ካርዲናል ሾንበርን፥ ሐዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ምሕረት ዘጉልሕ ናይ ስልጣናዊ ትምህርቲ ተግባር


ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሎም ኣብ 2014 ከምኡ ኣውን ኣብ 2015 ዓ.ም.  ዝተኻየዱ ክልተ ናይ መወዳእታ ሲኖዶሳት ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነዳት ኣመርኵይዞም ዝእረም ኣሪሞምን ዝውሰኽ ወሲዀምን ዝጐድል ኣጉዲሎምን ብዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘብርህ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት ክትግበር ዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለገስዎ “Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ድኅረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣመልኪቶም ናይ ኦውስትሪያ ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳትን እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዕለት 8 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤን ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጽን ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፈር ሾንበርን ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝምራሕ ኣብ ክልተ ሰሙን ዝሕተም ካቶሊካዊ ስልጣኔ ምስ እተሰምየ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዕለት 23 ሐምለ 2016 ዓ.ም. ብሕታም እቲ መጽሔት ዝዝርጋሕ 15 ገጽ ናይ ዘጠቓልል ቃለ መሕትት ጽማሬ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 8 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ሕትመቱ ከምዝዘርግሖ ክፍለጥ እንከሎ፥

ብፁዕ ካዲናል ሾንበርን ይብሉ “Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ክውን ዝገብር ተግባር ዝመልክት ምዃኑ ሓቢሮም ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ስድራ ቤት ስሩዕን ኢስሩዕን (ምዱብን ኢምዱብን) ብዝብል ኣገላልጻ ተፈጢሩ ንዝነበረ ፍልልይ ሰብ ሓዳር ብትእምርቲ ምሕረት ዝሰግሮን ክንየው ዝብል እዩ።

“Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘይተሓላላኸ መኣዛ ወንጌልን ዘስፍሕ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ። ብዙሓት እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንኡስ ሰነድን ምሉእ ክብሪ ስልጣናዊ ትምህርቲ የብሉን እንክብሉ ዝገልጽዎ ኣለዉ፡ እዚ ዓይነት ኣገላልጻ እዚ እዩ ድማ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን መኣዛ ወንጌል ዘለዎን ወንጌል ወንጌል ዝሽትት ምዃኑ ዘረጋግጾ ኢሎም፡

“Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ልዑል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ባህርይ ዘለዎ ናይ ስልጣናዊ ትምህርቲ ተግባር

እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ስልጣናዊ ተግባር እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ቅዱስ ኣቦና በቲ ምዕዳን ኣቢሎም ዘለዎም ናይ ጉስነትን መምህርን ናይ እምነት ሊቕነት ሓላፍነቶም ይገልጹ፡ ስለዚህ እዋናውነት ናይ እግዚኣብሔር ቃል ዝመርሓና ዓቢይ ዓይነታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጠባይን እውነተይና ናይ ቅዱስ ሰረት እምነት ንባበ ትምህርቲ ዝገልጽ ሰነድ እዩ። ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ኣብ ህልው ኩነት ዘስተምህር እዩ። ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ካብ ካልኣይ ጉባኢ ቫቲካን ንነጀው ኣትሒዝና ንጽበዮ ዝነበርና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ መዝገበ ሃማኖትን ናይ “Veritatis Splendor-ናይ ሓቂ ግርማ”  እተሰምየ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘዕሞቖን ዘማዕበሎን ዓቢይ ናይ ግብረ ገብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ትምህርቲ ስርወ እምነት ብምሕረት ኣሰንዮም ብጥዑም ኣግባብ የቕርብዎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ስርወ እምነት ሓሳብን ትምህርትን ከይከሓዱ ናይ እዋንና ህሉው ኩነት ስድራ ቤት ብጭቡጥ ኣረኣእያ ዘስተውዕሉ እዮም። ስለዚህ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ምሕረት ቋንቋ ዝጥቀምን እወታዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝስብእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስርወ እምነት ከም ጸብጻብ ሕግታት ዘይኰነስ ብጥዑም ኣግባብ ዘቕርብ እዩ፡

ቅዱስ ኣቦና ስሩዕን ዘይስሩዕን ዝብል ምዳበ ክንየው የብሉ

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ እዋናዊ ስነ ምግባር ዘዘንብል ኣብ ናይ ሕጊ ደፋእታዊ ዘብል እዩ እንክብሉ ብዙሓት ክገልጽዎ  ይረአይ። እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ስለምታይ ድሕሪ ዝዀነ ይዅን ናይ ሰናይን ሓቅን ንጹር ዕላማ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ሕልና ስጓመ ሰብ ኣብ ሕይወት ሰናይ ኣብ ምፍጻም ዘለዎ ተራ የነጽር። እዚ ናይ ዕብየት ከይዲ’ዚ ድማ ናይ ሕግታት ግሁድ ዕላማ እንተድኣ ዘይተኸብረ በዓል ቤታዊ ገበነይናነ ዘይምዃን ዝከኣል እዩ። እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ግና ነቲ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዝብል ፍልልያት ክንየው ዘብል እዩ። ስለምታይ ኩላትና ንሓጢኣት ዝተቓላዕና ብምዃንና ድማ ደለይቲ ምሕረት ኢና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና relativism-ተዛማዶነት (ባህሊተዛምዶ ፍልጠት ኣእምሮ) ማለት ኣይኰነን። ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ናይ ሓጢኣት ጭቡጥነት ግልጺ እዮም። ኰይኑ ግና እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ወንጌል ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል ትጽቢት ዘድምዕ እዩ ማለት ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 8 ፍቕዲ 7 ዘሎ “ካባኻትኩም እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ቅድም እምኒ ይደርብየላ” ዝብል ትምህርቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ዝኽተል ስልጣናዊ ትምህርቲ ምዃኑ ብፁዕ ካዲናል ሾንበርን ይትንትኑ።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ነቲ ቤተሰብኣዊ ሓድነት ዘርእስቱ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝስዕብ እዩ

ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሾንበርን ዝተፋትሑ ዳግም ዝተመርዓዉ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ምስታፍ ዝብል ሓሳብ መስረት ገይሮም፥ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ናይ ሕይወት ጭቡጥ ኩነት ዘብል ሓዋርያዊ ምዕዳን እዩ። ሓደ ሰብ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን መምርሕን ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ክወስዶ ዝግብኦ ስጉምቲ እውን እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ዝፈልጦ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቤተሰብኣዊ ሓድነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝስደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ስድራ ቤት ከጋጥም ዝኽእል በዓል ቤታዊ ሽግራት ምርድእ ከምዘድሊ ይምህሩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓሳብ ኣምሪሖምን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሽግር ዘላን ዝቖሰለትን ስድራ ቤት ከከም ኩነቱ ብውልቂ ዝከታተል ብሓፈሻኡ ዘይብሉ ንኹሉ ብሓደ ዘየጠቓልል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣድላይነቱ ዝገልጽን ኣንታይ ዓይነትን ብኸመይ ክምራሕ ዘለዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምዃኑ ብዕምቆት ዝትንትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብቀጻልነትን ብሕዳሴ ምስ እዋናዊ ኩነት ብምትሕሓዝ የቕርቡ እብክብሉ ገሊጾም፥

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሕጊ ጸብጻብ ዘይኰነስ ሕሊና ዘለዎ መሰረታዊ ግደ የተሓሳስቡ

ሕይወት ክርስትና ምስ ሕጊ ዝጸባጸብ ኣይኰነን እዚ ማለት ድማ ሕጊ ኣይጠቅምን ወይ ድማ ኣየድልን ማለት ኣይኰነን። ስርወ እምነት ናይ ሕጊ ጥራሕ ኔሩ እንተዝኸውን ቅዱሳት ምስጢራት መጋበሪያ ምሕረት ምዃኖም ተሪፉ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ኰይኖም ምተረፈ ኔሩ። ቅዱስ ኣቦና ግን ኣብ ቅድሚ ፍቕሪ ንሓቂ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝቖሰለ ስድራ ቤት ጉዳይ ተፈላልዩ ክረአይን ኣብዚ መዳይ ልልያ ዘለዎ ኣገዳስነት ይነጽሩ። በዚ መገዲ’ዚ ሕልና መሰረታዊ ምዃኑ ይመልክቱ። ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘተኰረ እዩ። ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ምስቲ ሓሴት ዝጽግው ፍቕሪ ዝዀነ ክርስቶስ ምርኻብ ዘለዎ ሕጹጽ ኣድላይነት የተሓሳስቡ እዚ ድማ ናብቲ ኣብ ወንጌላዊ ሓሴተ እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝለገስዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝመርሕ እዩ። ካብ ገዛእ ርእስና ንኽንወጽእን እቲ ካብ ገዛእ ርእስና ምውጻእ ምስ ክርስቶስ ዘራኽበና መገዲ ምስ ካልኦት ንኽንራኸብ ዝድርኸና ምውጻእ እዩ፡ እቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘቕርቦ ጻውዒት ድማ ንሱ ምዃኑ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.