2016-07-09 17:01:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣርጀንቲና


ዕለት 9 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ኣርጀንቲና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻትሉ መበል 200 ዓመት እተብዕለሉ ዕለት ብምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ማሪያ ኣራንሰዶ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ናብታ ኣብ ኣርጀቲና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ብጠቕላላ ንመላእ ሕዝቢ ኣርጀንቲና ዕለት 9 ሓምሌ 1816 ዓ.ም. ኣርጀንቲና ናጽነታ ዝተኣወጀሉ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ናይ ሕውነትን ሓድነትን ምክብባርን መግለጺ ክኸውን ሓደራ እንክብሉ፥

ኣብዚ ዓቢይ በዓል ሰላምታይ ናብ ኩላትኩም አብጽሕ፡ እዚ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ናጽነት ኣርጀንቲና እቲ ንናጽነት ኣሚቱ ዝተበገሰ ከይዲ ዘረጋገጾ ክቡራት ዋጋታት ዘዘኻኽርን ኣብቲ ክብሪ ምንባርና ናይ ሕልና መርመራ እንክገርበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ኩነት’ዚ ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጸልኩም ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ብፍላይ ነቶም ኣብ ሽግርን ጸበባን ዝርከቡ ሕሙማንን፡ ንሕይወት ዘድልዩ ጠለባት ኩሉ ዝተሓርሞምን እሱራን ዝተነጸሉን ብስእነት ስራሕ ንዝሳቐዩን ናይ ሓድሽ ጊልያነት ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑን ዝምዝመዙን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ሕጻናትን ብዙሓት ናይ ዕጸ ፋርስ ተጠቃምነት ኣደዳ ዝዀኑ ብጠቕላላ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ብዘቑምዎም ዝተፈላለዩ መጋበሪያ ናይ ሓድሽ ግሊያነት ምኽንያት ኣብ ከቢድ ስቓይን ሕሰምን ንዝርከቡ ደቂ ሃገር ቅርበተይ እገልጽ።

እታ ኣደ ዝዀነት ሃገር ሓብሓቢት ደቃ ብዘፍቅር ውላድ ክትጥመትን ክትግልገልን ይግብኣ። ኣደን ውላድን ዘራኽብ ፍቕሪ እዩ። እዚ ፍቕሪ’ዚ ሎሚ ህያው ክኸውን ሓደራ። እቲ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ናጽነት ካብቲ ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ውሱንነት ክንይወ ዝብል ድላያን ሃረርታኣን ናይ ዜጋታት ሕውነትን ፍቕርን ምቅራብን ምትሕልላይን ማዕርነትን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ብዝተሓደሰ መንፈስ ክንበር ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ እዩ። ቅንዕናን ሕውነትን ፍቕርን መታን ክዓስል እጽልይ። እግዚኣብሔር ኣሕዋት ምዃንና ዘንብር ሓይሊ ክዕድለናን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መግዛእቲ ድማ ናጻ ከውጽኣና ንጸልይ።

ኣብቲ ናጽነት ዘዕተሮ ጐደና ንኽንርከብ ጥበብ ናይ ኣረጋውያን ዜጋታትን ውዕዉዕ ሓይሊ መንእሰያትን የድልየና እቶም ተዘክሮ ዝዀኑ ኣረጋውያን ናይቲ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ሰብኣውነት ዘሕስር ኣብ ሎሚ ጥራሕ ዝተሓጽረ ምጉሓፍ ዝብል ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ኣደዳ ከይኰኑ ንጠንቀቕ። እቲ ናይ ኣስተንፍሶ ምንጪ ዝዀነ ናቶም ሕልሚ የድልየና እዩ። እቲ መንእሰይ ወለዶ ካብቲ ዝልወጥ ነገር የልቦን ኩሉ ሓደ እዩ ንዝብል ተዛማዲ ባህሊ ዝብል ኢድካ ሂብካ ንምንባር ካብ ዝድርኽ ፈተና ናጻ ኰይኖም ዝኽሪ ኣበው ሃገር በቲ ውዕዉዕ ሓይሎም ኣብ እዋናዊ ዓለም ክትርጉምዎ ሓደራ ቢሎም እግዚኣብሔር ሃገረ ኣርጀንቲናን ሕዝባን ይባራኽ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉኻን ኣብቲ እነሳልጦ ጉዕዞ ትዓቀበና ስለይ ምጽላይ ሓደራ ኣይትረስዑ ይብል ሓውኹም ፍራንቸስኮ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.