2016-07-07 16:48:00

ውግእን ግጭትን ኣብ ዝካየደለን ሃገራት ዝዓብዩ ብዝሒ ሕጻናት


ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም 16 ሚሊዮን ሕፃናት ኣብ ግጭትን ውግእ እዋን ዝተወልዱን ዝዓበዩን ምዃኖም ኣብ ታሪኽ ዝንገር ክኸውን እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብድምሩ ኣብተ ውግእን ሁከትን ዝራአየለን ሃገራት ብጠቕላላ ልዕሊ 250 ሚሊዮን ሕጻናት ከምዝርከቡን መብዛሕቲኦም ኣብ መዝገብ ልደት ዘይሰፍሩን ብዘይ ብሔራዊ ወግዓዊ ተፈላጥነት ዝንበሩን ኣብ ውግእ ዝተወልዱን ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዝዓብዩ ሰላም ዘይራአዩ ምዃኖም ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሶሪያን የመንን ሱዳንን ማእከላዊት ኣፍሪቃን ሃገራት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 4 ኣባይቲ ትምህርቲ ብውግእን መጥቃዕትን ምኽንያት ከምዝባድምን ኣብ ናይጀሪያ ካብ 2014 ዓ.ም. ንነጀው በቲ ገዛእ ርእሱ ቦኮ ሓራም ቢሉ ብዝሰመየ እስላማዊ ሓይሊ ሽበራ ልዕሊ 1,200 ኣባይቲ ትምህርቲ ከምዝዓነወን 600 መምሃራን እውን ከምእተቐትሉን እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕጻናት ማሕበር ዘውጽኦ ጸብጻም የመልክት።

ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ኣቦ መንበር ጃኮሞ ጕዌራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብተን ውግእ ዝካይደለን ሃገራት ኣገልግሎት መውሃቢ ቀዳማይ ናይ መጥቃዕቲ ዒላማ እዩ። ስለዚህ ኣብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ዘሰንብድ እዩ ምስ በሉ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም. እተን ዝማዕበላ ሃገራት ካብቲ ጉሉሕ  ናይ ውሽጣዊ ዓመታዊ እቶት ሸውዓተ ሺሓዊ ንናይ ድኻታት ሃገራት መደብ ልምዓት ሓገዝ ከውዕላ ቃል ኣትየን ከምዝነበራን ድሕሪ 2001 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወረደ ዘስካሕክሕ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንነጀው እተን ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ናይ ውሽጣዊ ጸጥታን ድሕነትን ብምድሃበን ኣብዚ መዳይ ዝውዕልኦ ወጻኢ ሃብቲ ገንዘብ ኣዚዩ ክብ ክብል ስለ ዝገበራ ድማ እቲ ንድኻታት ሃገራት ዝቐርብ ሓገዝ ትሕቲ እቲ ቃል ዝኣተዎ መደብ ኰይኑ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ክዕተር እዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዝነበረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝሓንጸጾ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ምሉእ ብምሉእ ክዕተር ኣይተኻእለን ኢሎም።

ኣብ ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምርግጋጽ ዝካይድ ጻዕሪ ኣዚዩ ድኹም እዩ። ሰብኣዊ ካብ ዘማእክል ባህሊ ብሔራውን ውልቃውን ፖለቲካዊ ረብሓ ይቕድም ኣሎ። ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ድሒሪ ኩሉ ዝስራዕ መደብ ኰይኑ ኣሎ። ጸጥታን ሰላምን ምሉእ ብምሉእ ውሕስ ዝገብር ኣጽዋር ውግእ ዘይኰነስ ማሕበራውን ሰብኣውን ፍትሒ ምርግጋጽ እዩ፡ እዚ ድማ ኵሉ ዝፈልጦ እውን እንተዀነ ኤኮኖሚያዊ ረብሓ ጸብለል እናበለ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከከም ኩነቱን ኣዋኑን እናተተርጐመ ክገሃስ ትርእዮ። ውግእ ዝወሓሶ ሰላም ብሓቂ ኣሎ ክበሃል ኣይክኣልን። ስለዚህ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምንቕቓሕን ኣገልግሎት መውሃቢ ምስፋሕን ሰብኣዊ ረብሓ ምቕዳምን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ብሓፈሻኡ ማሕበራውን ሰብኣውን ፍትሒ ምስ ዝኽበር እዩ ሰላም ውሑስ ዝኸውን እንክብሉ ዘክየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.