2016-07-07 16:24:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ድምጽና ስለ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ሓልዮት ነስምር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሊሚ እውን ስለ እቶም መንነቶም ንሓደጋ ዝተቓልዔ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናይ ዝርከቡ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ሰብኣዊ መሰልን ክብሪ ክሕለው ጻውዒት ብምቕራብ ናይቲ ሕዝቢ ድምጺ ናቶም ገይሮም ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም. ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድምጽና ስለ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ሓልዮ ነስምር እንክብሉ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከምዝወሰኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣልሰሳድንሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ብስም ቀዳሞት ተወለደቲ ደቂ ሃገር ናይቶም ዜጋታት ኣገባብ ሕይወትን ባህሎምን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክሕልው ጻውዒት አቕርብ ቢሎም፥ ምስ ናቶም ድምጺ ናይ ሓንቲ መንእሰይ ኣባል ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ብቋንቋኣ ተመሳሳሊ ምስ ዘቕረብቶ ጻውዒት ሓቢሩ ከምዝቐረበን፡ ናይቶም ቀዳሞት ተወለድቲ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕሎው ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እውንከለዉ ቅድሚኡ እውን ስለ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ብዙሕ ጐስጓስን መንፈሳውን ባህላውን መደባት የዳልዉ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም ንናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ዕድሎት ይጣበቑ ከምዝነበሩን ሎሚ እውን ከይተሓለሉ ዘቃልሕዎ ድምጺ ምዃኑ የመልክቱ።

ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ብምዃን ስለ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኣብ ምዃን ኵሉ ክሓብር ድማ ጻውዒት ብምቕራብ ቀዳሞት ደቂ ሃገር መንነቶም ባህሎም ቋንቋኦምን ኣገባብ ሕይወቶምን ክኽበር ኣብ ዝጠልብ ጻውዒት መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክትሓብርን ወርሒ ሓምሌ ናይ ጸሎት ሓሳብ ስለቶም ህላዌኦም ንሓደቃ ዝተቓልዔ ቀዳሞት ደቂ ሃገር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዝብል ክኸውን ኵሉ ምእመን ኣብዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክሓብር ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሲቶ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.