2016-07-05 16:36:00

ክንየው ቅልውላው ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ር.ሊ.ጳ መንበር (ናይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ መዝነት)


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ 16ኛ፥ ስምረትን ህድኣትን

ከም ሓላዊ መላእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንሓድ ሕድ ዝተሓላለዉን ብሰብኣውን መንፈሳውን መዳይ ንሓድ ሕድ ዝደጋገፉን እያቶም። በዚ መገ’ዚ ድማ እቲ ድሕሪ በነዲቶክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፈቓዶም ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ለቒቖም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሓርዩ ኣብ መንጐኦም ዓቢይ ጋግን ምርሕሓቕን ከምዘሎ ዝገልጽ ዝወሃቡ ዝነበሩ ትንተናታትን ካብኡ ንላዕሊ እውን ብዙሕ ዘገራጭው ፍልልይ ክህሉ እዩ ንዝብሉ ዝነበሩ ናይ ስምረትን ህድኣትን ትእምርቲ ብምዃን ዘፍሸሉ ምዃኖም ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ መምህር ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ኣባ ሮበርቶ ረጐሊ “ክንየው ቅልውላው ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ር.ሊ.ጳ መንበር” ብዝብል ኣርእስቲ ስደረስዎ ዕለት 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት መጽሓፎም ብሰፊሕ ይትንትንዎ። እዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገዛእ ርእሶም ብቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተዓቁቡ ምዃኖም እንክገልጽ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዶክቶስ መበል 16 ድማ ብወገኖም ብቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሕለው እየ ንዝበልዎ ሓሳብ ዘዘኻኽር እዩ።

ታሪኻዊ ራእይ የድሊ

ኣባ ረጐሊ ኣብቲ ዝደረስዎ መጽሓፎም ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበሮምን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖምን ተመስሎኡን ክዋኔኡን ፍጻሜኡን ምሉእነቱን ይትንትኑ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ገና ብዙሕ ክትንትነ ዘለዎ ምዃኑ ናይ ቫቲካን ስቱር ቤተ መዝገብ ዝዕቅቦ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መዛግብቲ ክፉት ክሳብ ዝገብሮ ምጽባይ የድሊ ምስ ዝብል ሓሳብ ብምትሕሓዝ ይገልጹ። ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኑ ኣብ ዝሕረይ ናይ እዋኑ ር.ሊ.ጳ. ተሓጺሩን ተነጺሉን ካብቲ ዝሓለፉን ድሓር እውን ክመጹ ካብ ዝዀኑ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ተፈልዩ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተርፍ ኣይኰነን። ልክዕ ከም ቃል ቅዱስ መጽሓፍን ወንጌል እውን ሓደ ፍቕዲ ወይ ድማ ክፍለ ምዕራፍ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ንበይኑ ብምልኣት ኣይትንትኖን እዩ። ተተሓሒዙ እዩ ዝኸይድ።

ናይ ሓደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበር (ስልጣን) ዕዙዝ (ጉሉሕ) መልክዑ

ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ መንበረ ስልጣኖም ዕዙዝ መልክዑ ሓደ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝግለጽ እዩ። ሓድሽ ናይ ሱታፌ ግልጸት ዝሃቡን ንኣብነት ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ዝደልዩ ዝከታተል ፍሉዩ ምዱብ ስርዓት ዘቖሙን ብዚ መልክዕ እዚ ድማ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብነቶም ብምስዓብ ዘቖመቶ ፍሉይ ምዱብ ስርዓትን ምስ ኢኣማንያን ምስ ማርክሳውን ሄጊላውያን ጸጋም ዘመም ምሁራት ዘበገስዎ ባህላዊ ዘተን ሓድሽ ስነ ሰብኣ ትንተናን እቲ ኣብ ራቲስቦና ዝሃብዎ  እምነትን ስነ ምርምርን ዘማእከለ ኣስተምህሮን ኣባ ረጎሊ ኣብ መሓፎም ብሰፊሕ ይትንትንዎ።

ሓደ ጥራሕ እዩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፍቃዶም ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ምስ ለቐቝ ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋንስዋይን እታ መጽሓፍ ንንብባብ ንምብቃዕ ኣብ ዘኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝበልዎ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ክህልዉ ዝገብር ክነት ኣይኰነን። ስለዚህ ሓደ ጥራሕ እዩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ። ኰይኑ ግና ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ቲዮሎጊያውን ሕገ ቀኖናውን ሕቶ ዝኸፍት እዩ። እዚ ድማ ብቲዮሎጊያን ብስነ ቤተ ክርስቲያንን ብሕገ ቀኖናን መዳይ ብዕምቆት ክጽናዕን ክትንተንን ዘለዎ ሕቶ ምዃኑ ኣባ ረጐሊ ኣብታ ዝደርስዋ መጽሓፍ ይገልጽዎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.