2016-07-05 16:25:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ጐስጓስ ሰላም ኣብ ሶሪያ


እቲ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ማሕበር ናብ ዘዳለዎ መደብ ጐስጓስ ሰላም ኣብ ሶሪያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

እቲ ንሶሪያ ንልዕሊ 5 ዓመት ዘድምይን ዘሳቕን ሕዝባ ንሞትን ስደትን ምዝብልናን ዝዳርግ ዘሎ ዓመጽን ውግእን ደው ክብል ዓለም ለኻዊ ጻውዒት ንምቕራብ ኣሚቱ ካሪታስ ኢንተርንዚዮናሊ ዝሓንጸጾ መርሓ ግብሪ ጐስጓስ ሰላም ኣብ ሶሪያ ምሉእ ድጋፍ ንምሃብን ንምትብባዕን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእክቲ፥

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን

ሎሚ እቲ ልበይ ኣዚዩ ብሓዘን ዝመልኦ እቲ ኣብ ሶሪያ ሓምሻይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ውግእ ዛዕባ ክዛረበኩም እፈቱ። እቲ ክትገልጾ ዘይከኣል ሕዝቢ ሶሪያ ኣብ ትሕቲ ዝዝነቡ ቦምባታት ክነብርን እንተኺኡሉ ድማ መዋጽኦ መገድታት እናናደየ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናብቲ ብዙሕ ስቓይ ዘይረኣየሉ ከባብብን ካብ ሃገሩ ወጻእን ንኽስደድን ክመዛበልን ዘስገድድ ዘሎ ኩነት ግዳይ ኰይኑ ንዘሎን፡ ነቶም ናይ ውግእን ኣድልዎን ኣደዳ ዝዀኑ ናይታ ሃገር ማሕብረ ክርስቲያን እውን እሓስብ።

ንመላእ ምእመናንን ነቶም ምስ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብምትሕብባር ቅኑዕ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ዝዓዩ ኵሎም ጠቒሶም ሕዝቢ ኣብ ስቓይን መከራን ተዋሒጡ ክረአይ እንከሎ ዘሕዝንን ክትኣምኖ እውን ዘጸግም መለክዒ ዘይብሉ መዋዕለ ንዋይ ንውግእ ኣጽዋር ክፈስስ ምርኣይ እዩ። ካብተን ነዚ ውግእ ኣጽዋር ዘቕርባ ሃገራት ውሽጢ ብዛዕባ ኣብ ሕንጸት ዘላም ዝሳተፉን ብዛዕባ ሰላም ዝዛረባን ኣገራት ኰይነን ንርእይ። ብሓንቲ ኢድካ ንብዓት ትሕብስ በታ ሓንቲ ኢድካ ድማ ተጥቂዕ። ክእመን ዘይከኣል ተግባር፡

ነቲ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ብውዕዉዕ መንፈስ ዝነብርዎ ዘለዉ መንእሰያትን በጽሒ ክፍሊ ሕብርተሰብን ነቲ ዝረአይ ማሕበራውን ሰብኣውን ዘይምግዳስ ንምስናፍን ኣብ ሶሪያ ሰላም ዝከኣል ምዃኑ ብምሉእ ሓይሎም ዘቃልሑ፡ ሰላም ኣብ ሶሪያ ዝከኣል እዩ ንዝብሉ ከበራትዕ እፈቱ። ምእንቲ’ዚ እቲ ኣብ ነቢይ ኤርሚያስ ምዕ.29, 11 “ኣነ ዝሓስበልኵም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ዝህበኩምሲ ሓሳብ ደሓን እምበር ሓሳብ ክፋእ የብለይን፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ” ዝብል ተነቢሩ ዘሎ ቃል እግዚኣብሔር ንኽንስግው ዝተጸዋዕና ኢና።

ስለ ሶሪያ ሰላምን ስለ ሕዝቢ ሶሪያን ስለ ሶሪያ ኣብ ዝግበር ናይ ሰላም ጸሎትን ስለ ሰላም ኣብ ሶሪያ ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ዝካየድሉ መዓልቲ ዋዜማ ብዅለን ቅምስናታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን መልእኽቲ ሰላምን ሓድነትን ተስፋን ክሰፍሕን እላበው።

እቲ ጸሎት ግብሪ (ተግባር) ዘኽተል ክኸውን ኣለዎ። ነቶም ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ተዋሰእቲ ነቲ ዝብጻሕ ስምምዕ ከኽብሩን ነቲ ዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ክቐርበሉ ዝኽእል ዕድል ክፍጠርን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምርካብ መሰሉ ክሕለወሉ መታን ክዓዩ ሓደራ እብል።

ዕግርግርን ውጥረትን ሶሪያ መፍትሒኡ ወተሃደራዊ ዘይኰነስ ፖሊቲካዊ እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍ ነቲ ናይ ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ ንምቛም ኣሚቱ ዝካይድ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ክድግፍ እዕድም።

ኣብ ፍቕርቲ ሃገር ሶሪያ ሰላም ዝከኣል ክኸውን መታን ብዅለ መዳይ ሓይልና ነተኣኻኽብ። እዚ ምስ ዝከኣል ብሓቂ ስለ መላእ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሰናይ ብጭቡጥ ዝንበር ዓቢይ ናይ ምሕረትን ፍቕርን ኣብነት ይኸውን።

ጐይታ ይባርኽኩም እኖ ማርያም ትዓቅብኩም

የቐንየለይ እንክብሉ ናይ ምስማዐ-ርእየት ምልእክቶም ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.