2016-07-02 19:11:00

ሰንበት ዘዘርእ ሰነ 26 2008 ዓ.ም.(7/03/2016)


መዝሙር ዘክረምት፡ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም. . . . . . ።

ካብ 25 ሰነ ክሳብ ቂርቆስ 19 ሓምለ ዘሎ መዝሙር ዘዘርእ፥ ዘደመና፥ ዘጊሜ ክረምት ተባሂሉ ይስመ እዚ ኸአ መምስቲ ጊዚኡ ክሰማማዕ እሞ አብኡ ተመስሪትና መንፈሳዊ ጥቕሚ ክንረኽበሉ ንማለት እዩ። ናይ ሎሚ ሰንበት “ዘዘርእ” ይብሃል። ናይ ኩሉ ምንጪ አምላኽ እዩ፥ ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ አምላኽ ንአና ንደቂ ሰብ ክጠቅም አብ ዝተፈላለየ እዋናት ከከም አድላይነቱ ይህበና። ኩሉ ዝተዋህበና ክነፍሪ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንጥቀም እዩ ስለዚ ንኹሉ ዝሀበ አምላኽ ክነመስግኖ ይግብአና። ማይ ሓደ ካብቲ ቀንዲ አብ ሕይወት ወዲ ሰብ ጠቓሚ እዩ፥ ሰውነትና ዝበዝሐ ትሕዝትኡ ማይ እዩ፥ ማይ ድሕሪ ዘየለ ሕይወት የለን፥ አብ ጸማኢ ቦታ ዘለዉ ናይ ማይ ጥቕሚ ልዕሊ ኩሉ ይርድእዎ። አብ እምነትና ማይ ናይ ምንጻሕ ምልክት እዩ፥ አብ ጥምቀት፥ አብ ዝተፈላለየ እዋን ብማይ ጸሎት ነገራት ነንጽሕ፥ አብ ቅዳሴ አብ ወይኒ ማይ ንሕውስ፥ ካህን ናይ ምንጻሕ ምልክት ብማይ ይሕጸብ፥ ስለዚ ማይ ፍሉይ እዩ። ጊዜ ክረምቲ እምብአር ነዚን ካልእን ቀንዲ ነገራት አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዝሓዘ እዩ። እዋኑ እዋን ዘርኢ እዩ ብሥጋን ብንነፍስን ሰናይ ዘርኢ ክንዘርእ ዝሓትት እዋን። አብዚ እዋን ሓረስታይ ጽቡቕን ምሩጽን ዘርኢ ይዘርእ እዚ ኸአ ጽቡቕ ምህርቲ ምእንቲ ክሓፍስ እዩ። ከም ክርስትያን አብ ሕይወትና አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ሰናይ ዘርኢ ክንዘርእ ከም ዝግብአና ክንዝክር ጽቡቅ አጋጣሚ እዩ። አብ ገዛይ አብ ሓዳረይ አብ ቁምስናይ አብ ሕብረተ ሰብ እንታይ ዘርኢ እየ ዝዘርእ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ክንርኢ የድልየና እዩ። ብፍላይ አብ ስድራ ቤት ዝዝራእ ዘርኢ አብ ሕይወት ወለድን ደቆምን ዓቢ ጽልዋ አልኦ። እሞ ሎሚ አብ ቤትና ተዘሪኡ ዘሎ እስከ ንርአዮ ምናልባት ዝዘራእናዮ ሕማቕ ዘርኢ እንተ ኾይኑ ጻህያይ ክንወፍር እሞ ሓደሲ ዘርኢ ንዝራእ እዚ ኸአ አብ መንበረ ንስሓ አቲና ምሕረት አምላኽ ለሚና ሓዲስ መንፈስን ሕይወትን ለቢስና ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወትን ርክብን ንበገስ። ምሩጽ ዘርኢ ዝድለ ጽቡቕ እቶት ክርከብ ንማለት እዩ። አብዛ ናይ ሎሚ ሰንበት ክም ምሩጽ ዘርእና ክንጥቀመሉ ተደልዩ ዘሎ አብ ምሕረትን ሕድገትን ዝዘንበለ ሕይወት ለቢስና አብ ምሉእ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ክንበጽሕ ንማለት እዩ። ጥዕና ዝመልኦ ርክብ የድልየና አሎ ተረሓሒቕና ተፈላሊና እንከሎና ፀሓይ ክትዓርብ አምላኽና አይ ደልን እዩ ስለዚ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ምሩጽ ዘርኢ ፍቕርን ሰላምን ምሕረትን ንዝራእ እሞ ሽዑ ምሕርትና ክስስን እዩ። አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና አተኲርና ክነስተንትን ከሎና አብ ቀንድን አድላይትን አብ እምነትና ዝኾኑ ነገራት ርትዒ፥ ምሕረትን ሕድገትን አምላኽ አብ ኩሉ ዝበደልናዮ ክነርኢ ንሕተት። ቀንዲ አትኩሮ መልእኽቲ ንባባትና እምብአር ከምቲ ናይ አምላኽ ርትዒ ርጉጽን ሓቅን ዝኾነ ምሕረቱ ፍቕሩን ሕድገትን ብማዕሪኡ ርግጽን ነባርን ንዘለዓለም እዩ። ፍርዲ አምላኽ ክንርኢ ከሎና አብ ፍቕርን ሕድገትን ምሕረትን ብዝያዳ ዝዘምበለ እምበር አብ ምኹናንን ምጭካንን አይ ኮነን። አብ ጸሎታትና “ብሕያውነት ንሰብ ፈጠርካዮ ብርትዒ ከአ ኮነንካዮ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታና አቢልካ ከአ ብምሕረትካ አድኃንካዮ” ንብል። ኩሎም ንባባትና እምብአር አብ ሕድገትን ምሕረትን አምላኽ ዘተኮሩ እዮም። አብ ፪ሳሙ 12፡7-13 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ብናታን ነቢይ አቢሉ ንዳዊት ንጉሥ ኃጢአቱ ምስ ነገሮ ብኃጢአቱ በኽዩን ተአሚኑን ተነሲሑን። “ንእግዚአብሔር በዲለ እየ” እናበለ ጸጸቱ ገሊጹ “ኦ አምላኽ ንበደለይ ኅደገለይ” እናበለ ናይ ሓደ ዝተነስሐ ዝጽልዮ ጸሎት ጸልዩ። ንሱ ወላ እኳ ብስንኪ ዝገበሮ ኃጢአት እንተ ተቐጽዐ ካብ ምሕረት አምላኽ አይርሓቐን። “እግዚአብሔር ከአ በደልካ አርሒቑልካ እዩ አይትመውትን ኢኻ” እናበለ ናታን ነብይ ነጊርዎ። ዳዊት ከአ ነዚ ብእምነት ተቐቢልዎ። ካብ ሕይወት ዳዊት እንምሃሮ ከም ዳዊት ናይ ሰባት ሓዳርድዩ ንብረት ድዩ ወይ እውን ርክባት ድዩ አፍሪስና አበላሺና እንተ ኾና ክንሳሕ ክንእመን አሎና። ከም ዳዊት “በዲለ ተጋግየ” ክንብል እዋኑ እዩ። ዳዊት ክሳብ ናታን ነብይ ዝነግሮ ነቲ ዝገበሮ ኃጢአት ከም ዘይገበሮ ይኸይድ ነሩ ምስ ተነግረ ግን ተነሲሑ ንሕና ኸ ክሳብ ንንገር ዲና ክንጽበ ወይስ ባዕልና ክንምለስ ንኽእል ኢና። ቀዳመይቲ ንባብና ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ከምዚ እናበለ ይጽሕፍ “ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር ሕጊ ብምፍጻም ከም ዘይጸድቕ ከአ ንፈልጥ ኢና. . . . ክርስቶስ እዩ አባይ ዝነብር ዘሎ እምበር አነ አይ ኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ” ይብል። ጳውሎስ አብ ክርስትና ቅድሚ ምእታዉ ዝገብሮ ዝነበረ ክፉእ ሕይወት ብዘየገድስ አምላኽ አብ ዝለዓለ ጽድቅን ተልእኮን ሓርይዎ። እዚ ነቲ ብርቱዕ እምነት ጳውሎስ በቲ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸቦ ምሕረትን ሕድገት ንምግላጽ ዝብሎ እዩ። ጳውሎስ ምሕረት አምላኽ ብግብሪ አብ ርእሱ ስለ ዝረአዮ ንኻልኦት ክንገር አየጸግሞን። ኃጢአትካ ምእማን መሰረት ምሕረትን ጸጋ ክትቅበል ምንጪ ምርካብን እዩ። አምላኽ ነቲ ተነሳሒ ኃጢአቱ ከም ዝኃድገሉ ይገልጸሉ። ጳውሎስ ነዚ ብዝያዳ የትኩረሉ። “ብክርስቶስ ኢና ጸዲቕና ብክርስቶስ ኢና ምስ አምላኽ ተዓሪቕና እምበር ብግብርና አይ ኮነን” እናበለ ናይ ኩሉ ምንጪ አምላኽ ከም ዝኾነ ይነግረና። ድሕነትና ባዕልና ክነምጽኦ አይክአልን እዩ። አብ ክርስቶስ ምስ አመና ዝተዋህበና እዩ ንሳ ንርእሳ ህያብ ካብ አምላኽ እያ። አብዚ እዩ እምብአር ነዚ ሎሚ ዝተነበ ወንጌል ክንሰምዕ ከሎና ሕቶ ዝቐርበና። “ንአምላክ እንፍቅሮ ስለ ዝተመሓርና ድዩ ወይስ ንአምላኽ ስለ ዘፍቀርና ኢና እንምሓር’? ጳውሎስ ነቶም ሕጊ ብምኽባር ኢና እንድሕን ንዝብሉ ዝነበሩ ከረድእ ኢሉ “ስርዓት ብምሕላው ድሕነት አይርከብን እዩ” ዝበለ። ስለ እነፍቅር አይ ኮናን ተማሒርና፥ ዝተመሓርና ስለ ዝተፈቐርና እዩ። ብርግጽ ንስሓ ንሕድገት ኃጢአት ክቕድሞ አለዎ ግን ወላ ንስሓ እውን ብአምላኽ ዝውሃበና ጸጋ እዩ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሉቃስ ዝተነበ ብዙሕ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ፡ • ንኢየሱስ ምዕዳም ጥራሕ እኹል አይኮነን ክንገብሮ ዘሎና ነገራት አሎ፡ ስምዖን ፈሪሳዊ ንኢየሱስ አብ ገዝኡ ዓዲምዎ ምስኡ ካልኦት እውን ዓዲሙ ግን ዘድሊ ክብርን ምቅርራብን አይገበረን። “ንእግረይ ማይ አይሃብካንን፥ አይተሳለምካንን፥ ንዘይቲ ጸጉረይ አይቀባእካንን” እናበለ ነቲ ንሓደ ጋሻ ዝግብረ ምቕባል ስለ ዝጉደለ ተነቒፉ። ንሕና እውን ንኢየሱስ ክንዕድም ወይ አብ ቤተ ክርስትያን ክንመጽእ ከሎና ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎና። ኢየሱስ እንታይ አጉዲለ አሎኹ ንበሎ። • እታ ሰበይቲ ኃጢአተኛ እያ ነራ። ምናልባት አብ ዓቢ ኃጢአት እትነብር እያ ነራ ምኽንያቱ ከምኡ እንተ ዘይትኸውን ዘሰንያ ሰብ ምስአ ምሃሎ ወይ እውን ንዘይትፈልጦ ሰብአይ ክትንክፍ አይፍቀዳን እዩ ስለዚ ፍልጥቲ ኃጢአተኛ እያ ነራ። ስምዖን ነታ ሰበይቲ ይፈልጣ ነሩ ኢየሱስ ሱቕ ኢሉ ስለ ዝረአያ ከምዘይፈልጣ መሲልዎ ክሓሚ ጀሚሩ ኢየሱስ ግን ነታ ሰበይቲ ጥራሕ ዘይኮነ ንሓሳብ ስምዖን እውን ይፈልጥ ነሩ። አብዚ እንርእዮ ክሳብ ክንደይ አብ ፍርድን ጽልእን ከም እንወድቕ እዩ። ንሓደ ኃጥእ ሓውና ወይ ሓፍትና ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ ከይፈለጥና አብ ፍርዲ ንቀዳደም። አምላኽ ጸግኡ ንኹልና እዩ ዝህብ ስለዚ ክነፍግ ወይ ክንጸልእ ግቡእ አይ ኮነን። • ብዝሒ ዕዳና ብዘየገድስ አምላኽ መሓሪ እዩ። እዛ ሰበይቲ ኢየሱስ አብቲ ምሳሌ ከም ዝገለጾ ብዙሕ ኃጢአት ነርዋ እንተ ኾነ አብዚሓ ምህረት ስለ ስለመነት ተማሒራ። አብፍርድን ጽልእን ከይንቀዳደም የዘካክረና አምላኽ እዩ ዝምሕር ምስ አምላኽ ዘለኦ ርክብ አምላኽን እቲ ሰብን እዮም ዝፈልጥዎ ስለ ፍርዲ ንአምላኽ ንሕደጎ። • ኃጢአትካ/ኪ ተሓዲጉልካ/ኪ ዝብላ ቃላት ሓዲስ ሕይወትን መንፈስን እየን ዘልብሳና። ከምታ ሰበቲ ንሓዲስ ጉዕዞ ንጅምር ኢየሱስ ከአ “ዳግም አይትአብስ/ሲ” እናበለ ይሰናበተና። ኢየሱስ አብዚ ዘርአየና ምሕረቱን ርትዓዊ ፍርዱን በቶም ከሰስትና ወይ በቲ አቐዲምና ዝገበርናዮ ከም ዘይጽሎ እዩ። ንክርስቶስ ዝግድሶ ናይ ህጅን መጻእን ሕይወትናን እዩ። ሓደ ካብቲ ዓቢ ነገር ሎሚ እንምሃሮ አምላኽ ክምሕረና ስንድው ወላ ይኹን እምበር ምሕረት ክንሓትት ስንድዋት ንኹን። ንአምላኽ ጥራሕ ምሓረኒ ዘይ ኮነ ንኸማና ዝበልን ዝበለትን ምሕረት ክንሓትት ይግባእ። በዲለ ተጋግዮ ዝብላ ቃላት ክንጥቀመልን ይግባእ። አብ ጽልእን ቂምታን ክነብር ከሎና ከም ሕማም መንሽሮ ተሰኪምና እንኸይድ ዘሎና እዩ። ምህረት ክንጅምሮ ጥራሕ አይ ኮናን ዘሎና ክንቅጽሎ ክነብሮ እዩ ዘሎና። ክውሃበና እንከሎ ብእምነት ክንቅበሎ አሎና ከምኡ ንምሉእ ሕይወትና ሒዝናዮ ክነብር አሎና። ምምሓር ምሕዳግ ልብስና ኮይኑ ዕለት ዕለት ከነዘውትሮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ምሕረት ብፍላይ ነቶም ካባና ዘድልዮም ክንህቦም “ምሒ ረ አሎኹ” ክንብል ይግብአና። ብርግጽ ክትምሕረ ከቢድ እዩ እንተ ኾነ እዚ ብአምላኽ ዝተዋህበና ሓቂ እዚ እዩ ፡መሓሩ ክትምሓሩ” እዩ። ንርእሱ ምምሓር ዘየዘውትር ብኻልኦት ክምሓር ክጽበ የብሉን። ምሕረት ብኽልቲኡ ወገን እያ ክትቀባበል ዘልአ እምበር ከምዚ ገለ ሰባ ንሱ ንሳ እዩ ምሕረት ክሃትት ዘልኦ/አ እናበሉ ዕርቂ ዝአብዩ ክኸውን የብሉን። በዚ ኢና ተፈጥሮና አምሳል አምላኽ ከም ዝኾነ ብዝያዳ ክንገልጽ እንኽእል። ከም አምላኽ ክነፍቅር ክንምሕርን ከምግብአና ክንፈልጥ አሎና። አምላኽ ዝለዓለ ፍቕሩ ዝገለጸልና ብኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ አብ መስቀል መይቱ ምስ አድኃነና ገሊጹልና። ሰብ ክምሕር መጀመርያ አብ መስቀል ክጥምት እንተ ኸአለ ጥራሕ እዩ አብኡ አምላኽ ዝገበረሉ ስለ ዝርኢ ንምሕረት ልቡ ይኸፍት። እዚ ዓመት “አብ ጎደና ምሕረት ክንምርሽ” ተዓዲምና አሎና። ነፍስወከፍና ህድእ ኢልና ሕይወትና እስከ ንርአ እሞ ክምሕሮ ዘሎኒ እንታ አሎ? ስለምንታይ ክምሕር ክቕይር ዘይደሊ እንታይ እዩ ዝዓግተኒ ዘሎ? አብ ልበይን መንፈሰይን መን አሎ ክንብል ይግባእ። ቤተ ክርስትያን አብ ስድራ ቤታትን አብ ግለሰባትን ሰላም ፍቕሪ ክነግስ መጀመርያ ምሕረት ዘዘውትሩ ትብለና አላ። አብ ቅድሚ ኢየሱስ ተምበርኪኽና ብኃቲአትና ክነብዕን ክንጽጸትን አሎና። እዛ ኃጢአተኛ ሰበይቲ ንብዓታ ኅድገት አምጺኡላ ንአና እውን ኅድገት ከምጽአልና አብ ቅድሚ ኢየሱስ ተንበርኪኽና ንነሳሕ። ንስሓ ክነዘውትር አሎና። ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.