2016-06-30 16:23:00

ቅድስቲ መንበር፥ ስፖርት ንናይ ሰላም ባህሊ ሕንጸትን ናጻ ካብ ሰፊሕ ኤኮኖሚያዊ ረብሓ


ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ኣብቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ መበል 32 መደበይና ዋዕላ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ስፖርት ካብቲ ቀጥዒ ኣልቦ ኤኮኖሚያዊ ረብሓ ዝብል ኣክድያ ናጻ ኰይኑ ኣብ ዓለም ሰላምን ሕውነትን ዘነቓቕሕ ክኸውን ይግብኦ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጆያ ታሊየንተ ሓቢረን።

ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ ዘርባ ቅድስቲ መንበር ስፖርት ኣብ ዓለም ልኡላን ክብርታት ዘተባብዕ ኵላዊ ቋንቋ እዩ ቢላ ከምእትገልጾን ምእንቲ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ብዝገበሮ ምንቕቓሕ እምነትን ስፖርትን ብዝብል ኣርእስቲ ተምሪሑ ዝካየድ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ከተእንግድ ምዃና ከምዘፍለጡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ታሊየንተ ኣስዒበን፥

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ስፖርት ብዘይ ኣድልዎ ንናይ ሰብኣዊ ውሁድ ምዕባለን ንመንእሰያት ሕንጸትን ዝብል ኣብ ናይ ኦሎምፒክ ሰነድ ተነቢሩ ዘሎ ሓሳብ ዘድምዕ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኸውን ብፁዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓቢሮም፥ እቲ ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ንኽካየድ ዝተወሰነ ኦሎምፒካዊ ስፖርት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ስፖርት ደረት ኣልቦ ውደራን ዓመጽን ዝተመልአ ክኸውን ዘገድዶ ዘሎ ኣብ ቀጥዒ ኣልቦ ህራፍን ኤኮኖሚ ናይ ምድሃብ ከይድታቱ ንምውጋድ ነቲ ናይ ስፖርት ስነ ምግባራዊ መትከል ዘሕይል ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

በዚ መንጽር’ዚ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣካለ ስንኩላ ኦሎምፒካዊ ስፖርት፡ እቲ ኣብ ኣካለ ስንኩላን ዘሎ ናይ ስፖርታዊ ብቕዓት ዘድምዕ ምዃኑ ቅድስቲ መንበር ከምእተኣምነሉን በዚ መልክዕ’ዚ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ኮሚቴን ናይ ኣካለ ስንኩላን ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ስፖርት ኮሚቴ ናይ ኦሎምፒክ ትርጉም ሓሳብ ከነቓቕሑን ኣብ ኩሉ ዓይነት ስፖርት ኣብ መላእ ዓለም ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ሓልዮ መጋበርያ ክኸውን ኣብዚ መዳይ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምእተበርክት እውን ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ታሊየንተ ኣመልኪተን፡       








All the contents on this site are copyrighted ©.