2016-06-28 16:19:00

ሲሜተ ጵጵስና


ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፍዋድ ጥዋል ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ናይ ላቲን ስርዓት ሕገ ቀኖና 401 መሰረት ናይ ሰበኻ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ስልጣኖም ክለቁ ዘቕረብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምዝተቐበልዎን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ተልእኾኦም ዘብቅዑ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ፍራንቸስካውያን ኣባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ መስተናብር ኰይኖን ንኸገልግሉ ሰሚዮም ኣብ ሰበኻ በርባኒያ ናይ ቨርበ ስዩም ጳጳስ ቢሎም እውን ከምዝሰመይዎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ኣፍሊጠን።

ኣባ ፒዛባላ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር በርጋሞ ዕለት 21 ሚያዝያ 1965 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ መስከረም 1976 ዓ.ም. ቦሎኛ ኣብ ዝርከብ ፍራንቸስካውያን ናይ ንጉሰ ኢየሱስ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ኣትዮም ዕለት 5 መስከረም 1984 ዓ.ም. ኣብ ላ ቨርና ኣብ ዝርከብ ናይ ፍራንቸስካውያን ገዳም ተመክሮ ፈጺሞም ዕለት 7 መስከረም 1985 ዓ.ም. ቀዳማይ መብጽዓ ገይሮም ዕለት 14 ጥቅምቲ 1989 ዓ.ም. ዓቢይ ማሕላ ከምዝፈጸሙ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ኣስዒበን ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንቶኒያኑም ዘጠናቐቑን ዕለት 27 ጥሪ 1990 ዓ.ም. ማዕርገ ድቁና ዕለት 15 መስከረም 1990 ዓ.ም. ኣብ ቦሎኛ ካቴድራል ኣብቲ እዋን ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳስ ብዝነበሩ ብፁዕ ካሪዲናል ጃኮሞ ቢፊ ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉ ሓቢረን፡ ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ ዕለት 7 ጥቅምቲ 1990 ዓ.ም. ኣብ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ፍራንቸስካውያን ተቛም ናይ ቅዱስ መጽሓፍ መጽናዕቲ ቀዳማይ ማዕርግ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ቀጺሎም ብስነ ምርምር ቅዱስ መጽሓፍን ናይ ስነ ጥንታዊ ቅርስታት ምርምርን መጽናዕትን ፍሉዩ ማዕርግ ኣመስኪሮም ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ቀጺሎም ድማ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ኰይኖም ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ከምዘገልገሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.