2016-06-28 16:12:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ዓውደ መጽናዕቲ ንሕዝብን ንናይ ከባቢ ክንክን ዝሓልይ መዋዕለ ንዋይ


እንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ድኽነት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝህልዎ ጭቡጥ እወታዊ ማሕታ ዝብል ሃሳብ ዘማእከለ ኣብ  ሃገረ ቫቲካን ናይ ፖለቲካን ሊቃውንትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ዘሳተፈ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ካቶሊክ ረድኤት ማሕበር ብምትሕብባር ዝተዳለው መደብ ፍሉይ ናይ ስነ ማሕታ መጽናዕቲ ዓውደ ጉባኤ ንካልኣይ ጊዜ ዕለት 26 ሰነ 2016 ዓ.ም. ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተኸፍተ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ባርቢ ኣፍሊጠን።

እቲ ዓውደ ጉባኤ መዋዕለ ንዋይ ኣብ ማሕበራውን ተፈጥሮን ፍጥረትን መዓላ ዘለዎ ጽልዋ ወይ ድማ ማሕታ እንታይ ተመስሎኡ ፈልዩ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፥

መዋዕለ ንዋይ ንናይ ማሕበራዊ ተልእኾ ከዋንነት

እቲ ዕለት 27 ሰነ 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ካልኣይ ዋዕላ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ናይ ማሕበራዊ ትካላትን ዝተበጽሑ ሓደስቲ ናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ ዝህብዎ ሓገዝን መንእሰያት ሰብ ትካላትን ደቀንስትዮ ሰብ ትካላትን ንናይ ምህዞ ብቕዓት ዘተባብዕን ናይ ብቕዓት ሕንጸትን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ምንባሩ እንክምልከት፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቛማት ማሕበራዊ ተልእኾ ንምኽዋን ዝወጽእ መዋዕለ ንዋይ ብፉሉይ ምምርማርን እቲ መዋዕለ ንዋይ ነቲ ማሕብራዊ ተልእኾ ንምኽዋን ዝድግፍ መታን ክኸውን ፍሰት መዋዕለ ንዋይን ማሕበራዊ ተልእኾን ዘለዎ ርክብ ምጽናዕ እቲ ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ዝብል ነጥቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮን ምይይጥን ከምእተኻየደ ባርቢ ሓቢረን፥ ኣተሓሒዘን ድማ ብፍላይ እቲ መዋዕለ ንዋይ ፍሰት ነቶም ድኻታትን ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብን ምግልጋል ዝብል ሸቶ ክህልዎ ከምዝግባእ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዘስመረሉ ኣፍሊጠን።

 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስነ ምግባር ኣብ መዳይ ቁጠባ ግቡእ ስፍራ ክወሃቦ

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሓላፍነት ዝዓሰሎ ፍሰት መዋዕለ ንዋይ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ቀዳማይ ዓውደ መጽናዕቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣብ ፍሰት መዋዕለ ነዋይ ስነ ምግባር ግቡዕ ስፍራ ክህልዎን ከይዲ ዕዳጋ ናይ ሕዝቢ ጥቕምን ናይ ሰብኣዊ ሓባራዊ ጥቅምን ዘማእከለ ክኸውን ይግብኦ፡ ስለዚህ ናይ ቁጠባ ዕዳጋ ንናይ ሕዝብታት ዕድሎት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዚዮም ኣብ ድኽነት ንዝርከቡ ዘገልግል እምበር ዝመልኽን ኣብቲ ንብዙሓት ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትል ቁጠባዊ ምጽንጻን መሰረት ጝይሩ ውሑዳት ዘሀብትም ናይ ውሑዳት ረብሓ ዝሕልው ክኸውን የብሉን እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እቲ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ምልስ ቢሉ ብምዝኽኻር፡ ዝተፈላለዩ ዕዉታት ሰብ ትካላት ምስቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብን ናይ ካልኦት ሊቃውንቲ ኣተሓሳስባን ብምልላይ ከይዲ መዋዕለ ንዋይን ዕዳጋን ቁጠባን ሰብኣውነት ዘማእከለ ብፍላይ ድማ ድኻታትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓልይ ማሕበራዊ ጥቅሚ ዘማዕድው ምስ ዝኸውን ውጽኢቱ ኣዚዩ ልዕሉ ምዃኑ ንኽኣምኑ ዝመርሕ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ባርቢይ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.