2016-06-21 20:17:00

ክርስትያን ቅድሚ ንካልኦት ምፍራዱ ኣብ መስትያት ንርእሱ ይርኤ (ሕልናኡ ይመርምር)! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ብስርዓተ ኣምልኾ ላቲን ንዕለቱ ዝቀረበ ቃል ወንጌል ‘ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧’ (ማቴ 7.1) ተመርኲሶም ‘ቅድሚ ንካልኦት ምፍራድ መጀመርያ ኣብ መስትያት ከድና ከመይ ከም እንመስል ንርእስና ንፈትሽ` እንክብሉ ሰቢኾም፣

‘ኣብ ቅድሚ መስትያት ጠጠው በል፣ ኮይኑ ግን ኣብ ገጽካ ንዘሎ ዕጥርጣር ክትቀባብእን ክትሓብን ዘይኮነስ ከመይ ከም ዘሎኻ ንክትዕዘብ፣ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ኣብቲ ዓይንኻ ንዘሎ ጕንዲ ከይረኣኻ ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ዘሎ በሰር ጥራይ ስለእትርኢ፣ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ እንክነቅርብከ እግዚኣብሔር እንታይ ይብለና ቢልና ንሓስብዶ! ነዚኣ መልሳ እታ ኣብ ወንጌል ዘላ እያ ‘ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፡፡ ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ’ (5)፣ እቲ ዘገርም ግን ንሕና ከምዚ እናገበርና ኲልና ኣብ መወዳእታ ፍርዲ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱን ርሕራሔኡን ጠሚቱ ክድንግጸልና ንኩሉ እከይ ግብርና ክርሰዓልና ንደሊ፣ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ንኩሉ ዝፈልጥ ኢየሱስ ኣታ ግብዝ እናበለ ዘጠንቅቀና፣ ምስ ኮነ ጣዕሳ ሕማቅ ስለዝኾነ ገና ጊዜ ከሎና ግዜ ከይንጽበ ምናዳ ነሕዋትና ካብ ምዂናንን ምፍራድን ክንጥንቀቅ በታ ዝፈረድናያ ከምንፍረድ የዘኻኽረና፣ ኣብዚ ክሕግዙና ዝኽእሉ ክልተ ነገራት የዘኻኽረና እታ ቀዳማይቲ እዛ ብምስትያት ዝመሰልናያ ቅድሚ ምፍራድ ናትካ ፍለጥ እንክትኸውን እታ ካልኣይቲ ከኣ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣

‘ንካልኦት ፍራድ ግናይ እዩ፣ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ ብሕቱ እያ፣ ንሱ ጥራይ እዩ ዝፈርድ፣ ንኣና ዝሃበናን ዝኣዘዘናን ነሕድሕድና ክንፋቀር ክንደናገጽን ክንተሓጋገዝን ነገራት ኣብ ዝሓሰሙሉ ጊዜ ከኣ ስለካልኦት ክንጽሊ! ክንመዓዓድን ክንተሓጋገዝን፣ ሕማቅ ኣብ ዝረኣናሉ ግዜ ስማዕንዶ ሓወይ ስምዕንዶ ሓፍተይ ምናልባት ከምዚዶ እምበይምሓሸን ክንብሎም እምበር ክንሓምዮምን ክንፈርደሎምን ኣይግባእን እንተዘየሎ ግቡዛት ንኸውን፣  ጐይታ ነዛ ግብዝ ትብል ቃል ኪብል ከሎ ቊሩብ ዝተቈጠዐ ይመስል፣ እዚ ከኣ ከምቲ ተመን ንሔዋን ከስሕታ ከሎ ‘ካዚኣ ኦም እዚኣ እንተበሊዕኩም ከም እግዚኣብሔር ክትኮኑ ኢኹም’ ንዝበሎ የዘኻኽር። ከመይ ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ቦታ እግዚኣብሔር እዮም ክቅመጡ ደልዮም። ክንፈርድ እንከሎና ኸኣ ንርእስና ኣብ ቦታ እግዚኣብሔር ስለእንቀመጣ ምጥንቃቅ የድሊ ፍርዲ ናይ እግዚኣብሔር እዩ፣ ንሱ ጥራሕ እዩ ዝፈርድ! ንሱ ጥራሕ እዩ በይኑ ቅኑዕ ዳኛ፣

‘ሎሚኸስ ነዚ ጐይታና ኣብ ወንጌሉ ዝበለና ነስተንትን! ከትፍረዱ ኣይትፍረዱ! ብዝሰፈርክምዎ መስፈር እዩ ክስፈርለኩም ንዝብላ ቃላት ዘኪርና ቅድሚ ምፍራድ ኣብ ቅድሚ መስትያት ሕልና ደው ቢልና ንርእስና ንመልከት፣ ክንፈርድ ከሎና ኣብ ቦታ እግዚኣብሔር ንኸውን ኮይኑ ግን ፍርድና ካብ ፍርዲ እግዚኣብሔር ብዘይመጠን ርሑቅ እዩ እግዚኣብሔር መሓርን ፈቃርን እንክኸውን ንሕና ግን ፍቅሪ ይኹን ምሕረት ኣብ ጥቃና የሎን፣ ኣብ ርእሲኡ እግዚኣብሔር ከኣል ኩሉ እዩ ንሕና ግን ኣይኮናን፣ ርግጽ እዩ ዝኾነ ነገር ኣብ ቅድሜና ክፍጸም እከለ እዚ ገበረ እከሊት እዚ ፈጠረት ክንብል ኮይኑ ግን ፍርድና ሓደ ዓቢ ነገር ይጎድሎ! ምሕረት! እግዚኣብሔር እንክፈርድ ምሉእ ምሕረት እዩ፣ ንሕና ግን እዚ ይጐድለና፣ እግዚኣብሔር ነዚ ነገራት እዚ እንርደኣሉ ብርሃን ይዓድለና’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.